ብረክዚት፡ ተሬዛ መይ መዓልቲ ፍትሕ መሊሱ ክናዋሕ'ዩ ትብል

ተሬዛ መይ Image copyright AFP/GETTY IMAGES
ናይ ምስሊ መግለጺ ተሬዛ መይ ምስ መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ክዝራረብ'የ ትብል

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ ተሬዛ መይ፡ ሎሚ ሰሉስ ምሸት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እቲ ን12 ሚያዝያ ተናዊሑ ዝነበረ መዓልቲ ፍትሕ (ብረክዚት) እንደገና ክናዋሕ ከም ዝኽእል ተዛሪባ።

ንሳ፡ ምስ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ዕዮ ጀረሚ ኮርቢን፡ ክትዘራረብ መደብ ከም ዘለዋ'ውን ኣብቲ ዝሃበቶ መግለጹ ጠቒሳ።

"ኩሉ ክሰማምዓሉ ዝኽእል እማመ ንምቕራብ ምስ ኩሎም ሰልፍታት [ኣብ ባይቶ ውክልና ዘለዎም] ክላዘብ'የ" ብምባል፡ ነቲ ድሮ ብፓርለማ ብተደጋጋሚ ዝተነጽገ ንድፊ እማመ ምውጻእ እታ ሃገር ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት መሊሳ ከም እተበራብሮ ሓቢራ።

ንሳ፡ ነቲ መግለጺ ዝሃበት፡ ምስ ካቢነ ሚኒስትራታ ኣብቲ ጉዳይ ኣኼባ ድሕሪ ምክያዳ'ዩ።

ብሪጣንያ ብመሰረት እቲ ኣቐዲማ ዘቕረበቶ ሕቶ ብ29 መጋቢት ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ክትወጽእ'ኳ እንተነበራ፡ ፓርላማ ብዘይምስምምዑ ግን እቲ መዓልቲ ፍትሕ ክናዋሕ ተገዲዱ'ዩ።

ሕብረት ኣውሮጳ ብወገኑ፡ ብሪጣንያ ንዕለት 12 ሚያዝያ ሓደ ውሳነ ሒዛ ክትመጽእ ነቲ ቆጸራ ከናውሕ ፍቓደኛ ምዃኑን፡ እንተ ዘይኮይኑ ግና፡ ብዘይ ዝኾነ ስምምዕ ካብቲ ሕብረት ክትውጽእ ከም እትግደድ ኣጠንቂቑ'ዩ።

እቲ ዝግበር ምንዋሕ'ውን፡ ክሳብ ቅድሚ 22 ግንቦት ክኸውን ኣለዎ፡ ምኽንያቱ እቲ ሕብረት ኣብ 22 ግንቦት ባይቶኣዊ ምርጫ ዘካይደሉ እዋን ስለዝኾነ። ብሪጣንያ ቅድሚኡ ካብቲ ሕብረት እንተ ዘይወጺኣ ድማ ኣብቲ ዘይደልዮ ምርጫ ክትሳተፍ ክትገድድ'ያ።

ከምኡ ስለዝኾነ ድማ'ያ ተሬዛ መይ፡ ምስ ግዜ ንምቅድዳም ምስ መራሕቲ ተቓውምቲ ሰልፍታት ክትዘራረብ ቅሩብነታ ትገልጽ ዘላ።

ትማሊ ሰኑይ፡ ፓለርላማ'ታ ሃገር ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ኣብ ኣርባዕተ ካብ ኣባላቱ ዝቐረቡ ኣማራጺታት ኣብ ዝሃቦ ድምጺ፡ ኩሎም ተቐባልነት ብዘይምርካቦም ተነጺጎም ነይሮም'ዮም።

እቶም ኣማራጺታት፡ ሓደ ንዝኾነ ባይቶኣዊ ውሳነ ህዝቢ ብመገዲ ህዝበ-ውሳነ (ብረፈርንደም) ናይ መወዳእታ ክህብ፡ ኣብ ናይ ሕብረት ታሪፍ ምጽናሕ፡ ኣብ ናይ ሓባር ዕዳጋ ምቕጻል፡ ባይቶኣዊ ውሳነ ቀያዲ ክኸውን ዝብሉ'ዮም።

እቲ ኣብ ፓርላም ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምስምማዕ ንጉዳይ ኣብ ዝገደደ ቅልውላው ሸሚሙ፡ ኣእምሮን ኣተኲሮን ህዝብን ሜድያን ተቖጻጺርዎ ይርከብ።

እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተርን መራሒ ሰልፊ ዕዮ ጀርሚ ኮርቢን፡ ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ እንተ ዘይኪኢሎም'ውን እቲ ኩነታት መሊሱ ክተሓለለኽ ምዃኑን፡ እታ ሃገር ሃንደበት ካብቲ ሕብረት ክትወጽእ ትኽእል'ያ።

እቲ ካልእ ኣማራጺ ድማ፡ መዓልቲ ፍትሕ መሊሱ ክናዋሕ'ዩ፡ እዚ ግን ሕብረት ኣውሮጳ እንተ ተሰማሚዑ'ዩ ጥራይ'ዩ ክግበር ዝኽእል።