ኢትዮጵያ-ኦሮሞ፡ ካብ 130 ንላዕሊ ወተሃደራት ኦነግ ብ'ምግቢ ተመሪዞም'

እቶም ተመሪዞም ዝተብሃሉ ወተሃደራት ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም
ናይ ምስሊ መግለጺ እቶም ተመሪዞም ዝተብሃሉ ወተሃደራት ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም

ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስምምዕ ብምፍጣር ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተመልሱ ልዕሊ 130 ወተሃደራት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ [ኦነግ]፡ ከም ዝተመረዙን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ይረኽቡ ከም ዘለውን ሓደ በዓል ሞያ ሕክምና ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣብ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ ካምፕ ጦላይ ዝርከቡ ገለ ወተሃደራት፡ ትማሊ ሰንበት እናተመገቡ እንከለው ከም ዝሓመሙ'ዩ ዝግለጽ።

እቶም ወተሃደራት ከም ዝብልዎ ድማ፡ ናብ ዝሰትዩዎ ሻሂ፡ ጻዕዳ መራዚ ነገር ተሓዊስዎ'ዩ።

"ሻሂ ኣብ እንሰትየሉ ኩባያ፡ ዝኾነ ጻዕዳ ነገር ርኢና" ኢሉ ሓደ ወትሃደር ንቢቢሲ ኣፋን ኦሮሞ። እንተኾነ ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ካምፕ ዝሃቡዎ ርኢይቶ የለን።

ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ኣድማሱ ዳምጠው ንሃገራዊ ቴሌቭዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ ኣብዚ ሰሙን ኣባላት ኦነግ ናይ መግቢ ምምራዝ ሓደጋ ኣጋጢሙዎም'ዩ ተባሂሉ ዝንዛሕ ዘሎ ሓበሬታ፡ ሓሶት'ዩ ኢሉ።

እቶም ናይ ጥዕና ጸገም ዝገጠሞም 136 እንትኾኑ፡ ኣብ ወሊሶ ሆስፒታል ሉቃስ ናይ ሕክምና ሓገዝ ይረኽቡ ኣለው ብምባል፡ "ዝኾነ ዓይነት ዝኸፍአ ናይ ጥዕና ጸገም ከም ዘይብሎም ተረጋጊጹ'ዩ" ኢሉ።

ከተማ ወሊሶ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዝሰርሕ ዶክተር ኣቢላጢፍ ይስሃቅ ግን፡ ትማሊ ሰንበት ልዕሊ 129 ወተሃደራት ሓሚሞም ናብ ሆስፒታል ከም ዝኸዱን፡ ሎሚ መዓልቲ ድማ 20 ከም ዝተወሰኹን ተዛሪቡ።

እቶም ወተሃደራት ደም ከም ዝተፍኡ ዝገለጸ እቲ ዶክተር፡ ከቢድ ሕማም ርእስን ተቕማጥን'ውን ከም ዝነበሮም ተዛሪቡ።

"ትኽክለኛ መበገሲ እቲ ሕማም ንምፍላጥ፡ ንምርመራ ዝኸውን ደምን ሽንትን ወሲድና ኣለና" ኢሉ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት፡ ልዕሊ 800 ወተሃደራት ኦነግ ኣባ ገዳታት ብዘቕረቡሎም ጻውዒት፡ ምስ መንግስቲ ዘለዎም ኣፈላላይ ብሰላማዊ መገዲ ክፈትሑ ተሰማሚዖም'ዮም።

እቶም ንስልጠና ናብ ካምፕ ዝኣተው፡ ኣብ ዙርያ ሕገ መንግስትን ሕግን ስልጠና ይወስዱ ኣለው።

ኣብቲ ስልጠና ድማ መንግስቲ እኹል መግቢ፣ መደቀስን ካልኦት ቀረባትን ከም ዘማልአ ኣቶ ኣድማሱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብ ካምፕ ጦላይ ዝርከቡ ወተሃደራት ኦነግ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ከም ዝኾኑ ይግለጽ።

ተወሳኺ ዛንታ