መንግስቲ ቻይና ድምር ወለድ ልቓሕ ኢትዮጵያ ሰሪዙ

ወከልቲ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ቅድሚ መራሕቲ ስምምዕ እናተፈራረሙ Image copyright FBC

ፅባሕ ኣብ ዝጅምር ፎረም 'ቤልት ኤንድ ሮድ' ክሳተፍ ቻይና ዝኣተወ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ዢ-ጂእ ፒንግን ካልኦት ትካላት እታ ሃገር ብምርኻብ ዘትዩ።

ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ከም ዘፍለጦ፡ መንግስቲ ቻይና ነቲ ክሳብ መወዳእታ 2018 ንዝተዋህለለ ወለድ ዕዳ ሰሪዙ'ሎ።

መጠን እቲ ዝተሰረዘ ወለድ ብንፁር እንተዘይተገለፀ'ኳ፡ ቻይና 13.73 ቢልዮን ዶላር እያ ንኢትዮጵያ ትእውዳ። እዚ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ዝበዝሐ ልቓሕ ቻይና ዘለዋ ካልአይቲ ሃገር ይገብራ።

መረዳእታ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጆን ሆፕኪንስ ዝርከብ 'ኢንሺየቲቭ ቻይና ኣፍሪቃ' ከም ዝሕብሮ፡ ኣንጎላ 42.8 ቢልዮን ዶላር ካብ ቻይና ብምውሳድ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ። ኬንያ ድማ ብ 9.8 ቢልዮን ኣብ ሳልሳይ ትርከብ።

ኢትዮጵያ ንህንፀት መስመር ባቡር ካብ ቻይና ዝተለቀሓቶ ገንዘብ፡ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ንኽምለስ'ኳ ስምምዕ እንተነበረ፡ እቲ ዕዳ ዝምለሰሉ ግዘ ናብ 30 ዓመት ክናዋሕ ተወሲኑ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ምሁር ስነ-ቑጠባ ተሾመ ተፈራ "እቲ ዝተረኸብ ልቓሕ ብዘይኣገባብ ክመሓደር ፀኒሑ" ብምባል፡ ኣብ ዓቕሚ ምምላስ ዕዳ ዘለዎ ስክፍታ ሓቢሩ።

እቶም ንመሳለጢ ፕሮጀክትታትን መሰረተ-ልምዓትን ዝርከቡ ናይ ደገ ሓገዛት ጥቡቕ ክትትል ክግበረሎም ከም ዝግባእ ተዛሪቡ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣብ ጉዳይ እታ ኣብ ቻይና ተኣሲራ ዘላ ኢትዮጵያዊት ናዝራዊት ኣበራ ንፕረዚደንት ዢ ጂንፒንግ ከም ዘዘራረብዎም ኤፍቢሲ ፀብፂቡ።

ናዝራዊት፡ ኮኬይን ዝተበሃለ ዓይነት ዕፀ-ፋርስ ብናይ 'ሻምፑ' ኣቕሓ ሒዛ ናብ ቻይና ክትኣትው ፈቲና ብዝብል ኣብ ቀይዲ ምእታዋ ይዝከር።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት