ኣብ ገዳርፍ ኣብ መንጎ ቢንዓምርን ኑባን ብዝተላዕለ ግጭት ሓያለ ሰባት ተቐቲሎም

ብምርባሕ ጥሪት ዝናበሩ ነበርቲ ገዳርፍ Image copyright AFP

ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ሱዳን ዝኾነት ከተማ ገዳርፍ ኣብ ሞንጎ ተዛርብቲ ትግረ ዝኾኑ ቢን ዓሚርን ሱዳናውያን ዓሌት ኑባን ብዝተላዕለ ግጭት ኣስታት ሸውዓተ ሰባት ከምዝሞቱን ብዙሓት ሰባት ከም ዝቖሰሉን ተቐማጢ ገዳርፍ ዝኾነ ኤርትራዊ ዑመር መሓመድ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

መበገሲ እቲ ባእሲ ሕጽረት ማይን ወሰኽ ዋጋ ማይን ምዃኑ ዝሓበረ ዑመር መሓመድ፡ ኣብ ገዳርፍ ብዙሓት ኤርትራውያን ማይ እናሸጡ ከም ዝናበሩን፡ ኣብቲ ማይ ዘምጽእሉ መዐደሊ ነቑጣ ዋጋ ማይ ስለ ዝኸበረ ንሶም'ውን ዋጋ ወሲኾም ኣብ ገዳርፍ ክሸጥዎ ስለዝጀመሩ፡ ተቐመጠጥቲ ገዳርፍ ዝኾኑ ኑባውያን ነዚ ብምቕዋም ክሃርምዎምን ክቐትልዎምን ከም ዝጀመሩ ይሕብር።

እቲ ብማይ ዝጀመረ ምስሕሓብ፡ ቐቢላዊ መልክዕ ሒዙ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ ምንባሩን መንግስቲ ግብረ መልሲ ኣብ ምሃብ ምድንጓያት ከም ዘርኣየ ዝሓበረ ዑመር መሓመድ፡ ኣብዚ ሕጂ ብዓበይቲ ዓድን ምምሕዳራትን ዝተሓገዙ ሰራዊት ኣትዮም እቲ ኩነታት ሃዲኡ እኳ እንተሃለወ ገና ናብ ዘተኣማምን ምርግጋእ ከም ዘይተሰጋገረ ይሕብር።

ውሃቢ ቃል ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ኣቶ መሓመድ ኢል ፋቲሕ ኢል ናኢም ብወገኑ፡ እዚ ኣብ ገዳርፍ ዘጋጠመ ግጭት ኣብ ሞንጎ ክልተ ዓሌታት ናይ ሱዳን ዝተኻየደ ግጭት ኮይኑ ንስደተኛታት ንምጥቓዕ ዝተላዓለ ከም ዘይኮነ ሓቢሩ።

ገዳርፍ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ሰብ ጥሪት፡ ብንግዳዊ ምንቅስቓስ ዝናበሩ ሸቓጦ፡ ናይ ጉልበት ሰራሕተኛታትን ስደተኛታትን ዝነብርዋ ዞባ ኮይና፡ ከተማ ገዳርፍ ካብ ኢትዮጵያ ኣብ ቐንዲ መስመር መተማ ካርቱም፡ ካብ ኤርትራ ድማ ብመገዲ ተሰነይ ከስላ ናብ ካርቱም እተራኽብ ዕምርቲ ከተማ እያ።

ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነቲ ንኣሰታት 30 ዓመታት ዝመራሓ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣል በሽር ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ፡ ፖለቲካዊ ኩነታትን ርግኣተ ሰላምን ከውሕስ ቃል ኣትዩ ዘሎ መሰጋግሪ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሰላም ሱዳን ኣብ ምውሓስ ዛሕሊ የርኢ ከም ዘሎ'ዩ ዝንቐፍ።

ነቲ 11 ሚያዝያ ስልጣን ዝሓዘ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፡ ስልጣኑ ናብ ህዝቢ ከረክብ ዝጽውዕ ህዝባዊ ሰልፊ ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ኣሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት