መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣስመራ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ሓለዋ

ህንጻ እንዳ ኣባ ሓበሽ ኣስመራ
ናይ ምስሊ መግለጺ ህንጻ እንዳ ኣባ ሓበሽ ኣስመራ

ኣብዚ መበል 28 ዓመታት ናጽነት ዝኽበረሉ ዘሎ ቅንያት፡ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ፡ ኣርባዕቲኡ ብሎኮታታን ከባቢኣን ጽዑቕ ሓለዋን ምክትታልን ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ካብ ሕሉፍ ተመኩሮ፡ ኣብ ቅንያት በዓል ናጽነት፡ ሃንደበታዊ ግፋን ጻዕቂ ሓለዋን ከጋጥም ንቡር እኳ እንተኾነ፡ እዚ ናይ ሎሚ ግን፡ ፍልይ ዝበለ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ኤርትራ ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ኣብ እተብዕሎ ዘላ መበል 28 ዓመታት ናጽነት፡ ኣብ ዲያስፖራ፡ ለውጥን ምምሕያሽን ዝጠልብ "ይኣክል!" ዝብል ውዕውዕ ህዝባዊ ጻውዒት ይካየድ ብምህላው፡ እቲ ኣብ ግዳም ተጓሃሂሩ ዘሎ ህዝባዊ ቁጠዐ፡ ናብ ውሽጢ ሃገር ከይልሕም፡ መንግስቲ ጽኑዕ ሓለዋ ኣዋፊሩ ምህላው እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።

ካብ ዝሓለፈ ዕለታት ኣትሒዙ ኣብ ኣስመራ፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዓጽዩ ምህላውን፡ ሰባት ብስውር መርበብ ሓበሬታ፡ (ብቪ ፒ ኤን) ይራኸቡ ምህላዎምን ከምእተሓበረ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እውን ኤርትራ፡ ንኩሉ እቲ ንሒደት ኣዋርሕ ተኸፊቱ ዝነበረ ምስ ኢትዮጵያ ዘዳውባ ኣርባዕቲኡ መስመራት ምሉእ ብምሉኡ ከምዝዓጸወቶ ይፍለጥ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት