ኤርትራ፡ 'ናይ ሕጂን ናይ ቀረባን ቀዳምነት ነቲ ሓድሽ መዋእል ጥጡሕ ባይታ ምውሓስ'ዩ'

ኢሳይያስ Image copyright Eritrea MOI

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ኣብ ዝተኸበረ መበል 28 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዘስመዖ ናይ እንኳዕ ኣብጽሓኩም መደረ፡ ንለውጢ ታህዋኽ ከምዘየድሊ ኣሚቱ።

'ዘለናዮ እዋንን ኩነታትን፡ ገና ምጅማር ሓድሽ መዋእል ብምኻኑ፡ ብባህሪኡ፡ ናይ ባህታን ሃረርታን ስምዒታዊ እዋን'ዩ። ባህታን ሃረርታን ግን፡ ንብድሆታት ናይቲ ሓድሽ መዋእል ከደብዝዝ ኣይግባእን' ድሕሪ ምባል፡ "ቅድሚ ሰፋሕቲ ናይ ሓዋሩ ዘላቒ መደባት ምስኣልን ምህዋኽን፡ ነቲ ህሉው ወድዓዊ ኩነታት ብዕምቆት ንምፍላጥን ንምግምጋምን ሰፊሕ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ድሕነታውን ዳህሳስ ይሓትት" ክብል ህዝቢ ዓቕሊ ክግበር ጸዊዑ።

ንሱ ነቲ መደረ ዘስምዐ ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ብሃገር ደረጃ ዝተፈጸመ ጽምብል መዓልቲ ናጽነት'ዩ።

መበል 28 መዓልቲ ናጽነት ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈልየ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ እቲ ኣብ ደገ ዝነብር ተመቓቑሉ'ዩ ዘሕልፋ ዘሎ። ብወገን መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ብዘለዉ ኤምባሲታት ዝተወደበ ዝኽሪ ክካየድ ቀንዩ'ሎ።

ብወገን ተቓወምቲ መንግስቲ ድማ፡ እቲ ኣብተን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ክጎሳጎስ ዝጸንሐ ናይ "ይኣክል" ውፍሪታት ዝደረኾ ሰፊሕ ጥርናፈ መዓልቲ ናጽነት ኣብ ዋንሺንግተን ዲሲ (ኣመሪካ)ን ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝን (ቀዳም ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ) ካልኦት ሃገራትን ይካየድ ኣሎ።

ንመንግስቲ ፕረዚደንት ኢስይያስ ኣፈወርቂ ዝቃወም ብዙሓት ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ሰልፊ'ውን ሎሚ ኣብ ዋንሺንግተን ዲሲ ተኻዪዱ። ኣብቲ ሰልፊ ዝተረኸቡ ኤርትራውያን፡ እሱራት ክፍትሑን፡ "ዲክታተር ይውረድ"፡ "ይኣክል" ዝብሉ ጭርሖታት እናስምዑ ኣብ ፊት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብታ ከተማ በጺሖም።

ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሓምለ ን20 ዓመታት ዝጸንሐ ኩነተ-ኲናት ዘኽተመ ስምምዕ ሰላም ፈሪመን'የን። ነዚ ስዒቡ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብታ ሃገር ሰፋሕቲ ፖለቲካዊ ለውጢታት ከምጽእ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን መንግስታትን ክጠልቡ ጸኒሖም።

ኣብ ስደት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ምሁራት፣ መንእሰያት፣ ደቂ ኣንስትዮን ገዳይም ተጋደልትን ኤርትራውያን ብወገኖም ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ፖለቲካውን ቑጠባውን ለውጢ ክገበር ይሓቱ ኣለው።

Image copyright Yemane G. Meskel/Twitter
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ምርኢት ጽምብል ናጽነት 2019

ካልእ ካብ ለውጢ ክግበረሎም ትጽቢት ብዙሓት ኮይኑ ዝጸንሐ ድማ፡ ጉዳይ ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮይኑ፡ ድሕሪ ምብቃዕ ናይቲ ከም መኽነይታ ክቐርብ ዝጸንሐ ዶባዊ ግጭት ምስ ኢትዮጵያ፡ ናብ 18 ኣዋርሕ ክወርድ'ዩ ዝብል ትጽቢት'ዩ ጸኒሑ።

ይኹን 'ምበር ፕረዚደንት ኢሳይያስ "ሕጂን ናይ ቀረባን ቀዳምነት ዕማም ከኣ ነቲ ሓድሽ መዋእል ጥጡሕ ባይታን ሃዋሁን'ውን ምውሓስ'ዩ ዝብል መማእዘኒ ካብ ውህሉል ክብርታትና ዝመንጨወ ልቦና'ዩ" ብምባል ፓለቲካዊ ጽገናታት ምትእትታው ቀዳምነት መንግስቱ ከም ዘይከውን ኣተንቢሁ።

ኣቶ ኢሳይያስ፡ ጋዜጠኛታት፣ ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ብዘይፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጒኑ ክብላ ብርክት ዝበላ ጉጅለታት ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ይኸስኦ።

ሃገራዊ ምርጫ ን28 ዓመታት ኣብታ ሃገር ኣይተኻየደን። እቲ ፕረዚደንት፡ "ኣብ ግብሪ ከይወዓለ ዝሞተ ሰነድ'ዩ" ዝበሎ ናይ 1997 ቅዋም ከይትግበር ብምእጋድን ንመሰጋገሪ እዋን ዝቖመ ሃገራዊ ባይቶ እታ ሃገር ብምፍራስን ብዘይ ገደብ ስልጣን ይመርሕ ኣሎ።

ተወሳኺ ዛንታ