ፕሪያንካ ቾፕራ፡ ህንዳዊት ኮኾብ ተዋሳኢት መዓስከራት ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓዚባ

ፕሪያንካ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት Image copyright UNICEF

ኮኾብ ተዋሳኢት ቦሊውድ-ህንዲ ፕሪያንካ ቾፕራ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ መዓስከራት ስደተኛታት ኤርትራ፣ ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን ተዓዚባ።

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኤጀንሲ ህጻናት - ዩኒሴፍ ከም ዝሓበሮ፡ እታ ኣምባሳደር ሰናይ ተግባር ነቶም ብሰንኪ ኣብ ሃገራቶም ዘሎ ጎንጽን ሰብኣዊ ቅልውላውን ዝተሰደቱ ህጻናት ዝርከቡሉ ኩነታት ንምዕዛብ'ያ ናብ ኢትዮጵያ ዝተጓዓዘት።

ኣስታት 55,000 ኤርትራውያን ናብ ዝርከቡሎም መዓስከራት ሕጻጽን ዓዲ-ሓሩሸን፡ ከምኡ ድማ 17,000 ስደተኛታት [ዝበዝሑ ሱዳናውያን] ናብ ዝነብሩሉ መዓስከር ባምባሲ ብምኻድ፡ ምስ ህጻናትን መናእሰይን ተራኺባ።

"ህጻናት ብሰንኪ ኲናትን ዕንወትን ካብ ሃገራቶም ክፈናቐሉ ከለዉ፡ ኣብ ህይወቶም ከቢድ ቅልውላው ከተኣናግዱ'ዩ ዝገብሮም" ኢላ።

ብሰንኩ እውን ካብ ትምህርቲ ስለዝተኣጓጎሉ፣ ኣገልግሎት ጥዕና ስለዘይረኽቡን ዝቐሰነ ህይወት ስለዘይህልዎምን፡ ንጥቕዓት፣ ዓመጽን ምዝመዛን ከም ዝቃልዑ ሓቢራ።

ዩኒሴፍ ከም ዝሕብሮ፡ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ኣብ ሃገራቶም ዘሎ ዘይምርግጋእን ፖለቲካዊ ኩነታትን ንዝተሰደቱ ኣስታት 900,000 ስደተኛታት ኣዕቊባ ትርከብ።

እቶም ስደተኛታት ከኣ ካብ ሶማሊያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኤርትራ፣ ሱዳንን የመንን ከም ዝኾኑ ጸብጻብ ዩኒሴፍ የመልክት።

ፕሪያንካ ኣብ ኢንስታግራማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣባላት ዩኒሴፍ ንዘሰርሕዎ ስራሕ ምስጋናን ናእዳን ኣቕሪባ።

ፕሪያንካ፡ መዓስከራት ስደተኛ ኣብ ዝርከቡሎም ከባብታት ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን እውን ኣብ ዝተሓተ ቁጠባዊ ዓቕም ዝነብሩን ሕጽረት ቀረባት ዘለዎምን ከም ዝኾኑ ትዕዝብታ ገሊጻ።

"ውልቀ-ሰባት፣ ማሕበረሰብን መንግስታትን ነቶም ብሰንኪ ኲናትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ካብ ሃገራቶም ዝተሰደቱ ሰባት ከመይ ክሕግዝዎም ከም ዝግባእ፡ ኢትዮጵያ ኣንጸባራቒት ኣብነት'ያ" ክትብል ተዛሪባ።