ቤት-ፍርዲ ኬንያ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገረን ክምለሳ ወሲኑ

መጽሓፍ ሕግታት ኬንያ Image copyright Getty Images

ቤት ፍርዲ ሚሊማኒ ኬንያ፡ 22 ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገረን ንኽምለሳ ከም ዝወሰነ፡ ስታንዳርድ ዝተበሃለ ጋዜጣ እታ ሃገር ጸብጺቡ።

እተን ኤርትራውያን፡ ቅድሚ 10 መዓልቲ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ናብ ኬንያ ክኣትዋ እንከለዋ ከም ዝተትሓዛ እቲ ጸብጻብ የመልክት።

ጠበቐአን ሞሰስ ኣንጋያ፡ ከም ስደተኛ ኮይነን ናብ ኬንያ ከም ዝኣተዋ ብምሕባር፡ ዝጠሓስኦ ሕጊ የለን ክብል ኣብ ቤት-ፍርዲ ተኸራኺሩ።"ኤርትራ ዘይምችውቲ ሃገር'ያ። እዘን መንእሰያት ከኣ ኣብቲ ሰብኣዊ መሰላትካ ዝገሃሰሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንኽሳተፋ ተገዲደን እየን" ክብል ኣረዲኡ።ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት (ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር)፡ ኣፍልጦ ስደተኛ ክረኽባ ዘኽእለን መስርሕ ክጅምራ ዕድል ክወሃበን'ውን ነቲ ቤት ፍርዲ ሓቲቱ።

ዳኛ ናይቲ ቤት ፍርዲ ግን፡ ናብ ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ክቐርባ ዘኽእል መርትዖ ከም ዘየለ ብምግላጽ ነቲ ምጉት ነጺጉዎ።

ዳኛ ኬኔዲ ቸርዮት "ጠበቓ ብዘቕረቦ መረዳእታ ኣይተሰማመዐን። ብዘይሕጋዊ መገዲ ብኣሰጋገርቲ ናብ ኬንያ ዝኣተዋ እየን" ኢሉ።

እተን ደቂኣንስትዮ መንእሰያት: ውሳነ ቤት ፍርዲ ምስ ሰምዓ ክበኽያ ከም ዝተርኣያ ጸብጻብ ስታንዳርድ ኣመልኪቱ::

ሓደ ኣባል ኤርትራውያን ወለንተኛታት ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባ ውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ብዜና ከም ዝሰምዕዎ ብምሕባር፡ ነቲ ጉዳይ ከም ዝከታተልዎን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ዓይነት ጸገም ከጋጥም ከሎ ንዩኤን ሓዊሱ ንኻልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ክፈልጡ ብምግባር፡ እቶም ስደተኛታት ሕጋውነት ክረኽቡ ኢና ንሰርሕ ነይርና" ኢሉ።

ኣብ ጉዳይ ናይዘን ደቂኣንስትዮ ግን ካብ መንግስቲ ኬንያ ይኹን ካልእ ዝበጽሖም መረዳእታ ብዘይምንባሩ፡ ነቲ ዝድለ ምትሕብባር ክገብሩለን ከም ዘይከኣሉ ገሊጹ።

"ነቲ ውሳነ መሊሶም ብምርኣይ ሕጋዊ መሰል ስደተኛ ክረኽባ'ዶ ኣይክረኽባን ዝብል ንምፍላጥ ኣጸጋሚ'ዩ" ዝብል እቲ ኣባል፡ ካብ ጽባሕ [ሰኑይ] ጀሚሮም ምስ ዝምልከቶም ብዛዕበአን ከም ዝዘራረቡ ሓቢሩ።