ኢትዮጵያ ነቲ ብጌጋ ዝተሓተመ ካርታ ተጻርዮ ከምዘላ ኣፍሊጣ

ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነብያት ጌታቸው

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ብጌጋ ኣብ ድህረ ገጹ ዝተሓተመ ካርታ ምጽራይ ይገብር ከምዘሎ ገሊጹ።

እቲ ሶማሊያ ምስ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ዘርኢ ካርታ፡ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ድሕረ ገጽ እቲ ሚኒስትሪ ዝተሓተመ እንትኾን፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሓያል ተቓውሞ ኣልዒሉ እዩ።

ወሃቢ ቃል እቲ ቤት ጽሕፈት ነብያት ጌታቸው ሎሚ ንጉሆ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ካርታ ከመይን ብመንን ከምዝተሓተመ ይጻረ ከምዘሎ ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ ምስተጻረየ ኣብቲ ዝሓተሞ ኣካል ስጉምቲ ከምዝውሰድ እቲ ወሃቢ ቃል ገሊጹ ኣሎ።

'' ኢትዮጵያ ንዲፕሎማስያዊ ርክባት ዓብዪ ጠመተ እያ እትህብ፤ ብፍላይ ንጎረባብቲ ሃገራት። ስለዚ ነዚ ጉዳይ ብጽኑዕ ኢና እንሪኦ ዘለና'' ክብል ነብያት ጌታቸው ተዛሪቡ።

እቲ ወሃቢ ቃል ከምዝገለጾ እቲ ሚኒስትሪ ወግዓዊ ካርታታት ንምድላው ብ ትካላት ውሽጢ ዓድን ዓለም ለኸን ዝተሰርሑ ካርታታት እዩ ዝጥቀም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ