ተወለድቲ ትግራይን ኦሮሞን ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ደብረ ማርቆስ ናብ ዓዶም ክምለሱ ጀሚሮም

ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ተረኺቦም ነቲ ኩነታት ከህድኡ ፈቲኖም Image copyright DEBRE MARKOS UNIVERSITY/FB
ናይ ምስሊ መግለጺ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ተረኺቦም ነቲ ኩነታት ከህድኡ ፈቲኖም

ተጋሩን ተወለድቲ ብሄረ ኦሮሞን ዝኾኑ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ደብረማርቆስ፤ ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ወፂኦም ናብ ዓዶም ክምለሱ ጉዕዞ ከም ዝጀመሩ ገለ ተምሃሮ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እቶም ተምሃሮ ንህይወቶም ስለዝሰግኡ: ሎምዓልቲ ንጉሆ 'ናብ ቤተ ክርስትያን ኢና' ዝብል ከውሊ ተጠቒሞም ንብረቶም እንተይሓዙ ከም ዝወፅኡ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሰዓት'ዚ ምስ ህዝቢ ተሓዊሶም ኣብ ሰለስተ ኣውቶብሳት ንኣዲስ ኣበባ የምርሑ ከምዘለዉ ስሙ ክፀርሕ ስግኣት ዝሓደሮ ተምሃራይ ካልኣይ ዓመት እቲ ዩኒቨርሲቲ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ገንዘብ ካብ ስድራ ዝፅበዩ ውሱናት ተምሃሮ ጥራሕ ተሪፎም ምህላው እውን ተፈሊጡ'ሎ።

ትማሊ ሽማግለታት ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ብምእታው ዕርቂ ከም ዝተፈፀ ዝገለፁ እቶም ተምሃሮ፤ ኮይኑ ግና ብውሽጣ ውሽጢ ይውቅዑን ከቢድ ምሕናይ ይበፅሖም ብምህላዉን ካብ ስግኣት ክድሕኑ ከምዘይከኣሉ ይዛረቡ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደብረማርቆስ ዝተወለዐ ጎንፂ፤ ሰዓረ ኣብርሃ ዝተብሃለ ተምሃራይ ሳልሳይ ዓመት ስነ ቁጠባ ተቐቲሉ እዩ።

Image copyright DESSALEW GETNET/FB

ካልኦት ሓሙሽተ ተወለድቲ ብሄረ ኦሮሞ ብፅኑዕ ቆሲሎም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ደብረማርቆስን ኣብ ዝርከቡ ላዕለዎት ሕክምና፤ ክንክን ይረኽቡ ምህላዎም ተወካሊ እቶም ተምሃሮ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣይተ ደሳለው ጌትነት ብወገኑ፤ ተጠርጠርቲ ተታሒዞም እቲ ጉዳይ ይፃረ ምህላዉ እውን ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣይተ ደሳለው፡ ሎሚ ረቡዕ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ሰላማዊ ኩነታት ከም ዘሎን ዝተወሰኑ ተመሃሮ ኣብ መምህሪ ክፍልታት ከም ዝተርኣዩን ኣብ ፌስቡኩ ጽሒፉ'ሎ።

ገለ ካብቶም ስግኣት ዝሓደሮም ተምሃሮ፤ ፍርቆም ትማሊ ከምዝወፅኡን ዝተረፉ ድማ ኣብ ከተማ ተበቲኖም ምህላዎምን ተወካሊ እቶም ተምሃሮ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት