ኣሜሪካ ንኤርትራ ካብ ዝርዝር ወፍሪ ኣንጻር ግብረ ሽበራ ዘይተሓባበራ ሃገራት ኣውጺኣታ

ጸሓፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናጊ ምስ ፕረዚደነት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣስመራ 4 ታሕሳስ 2018 Image copyright MOI Eritrea
ናይ ምስሊ መግለጺ ጸሓፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናጊ ምስ ፕረዚደነት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ኣሜሪካ ኣብቲ ኣንጻር ግብረ ሽበራ እተካይዶ ዘመተ፡ ምሉእ ብምሉእ ዘይትሓባበራ ሃገራት ኢላ ካብ ዝሓዘቶ ዝርዝር ንኤርትራ ኣውጺኣታ።

ንዓመታት ተገሊላ ዝጸንሐት ኤርትራ፡ ኣብቲ ሎሚ ዝሕተም መዝገብ ፈደራል ከም ዘይትህሉ ኣሶሽየትድ ፕረስ ጸብጺቡ።

መንግስቲ ኤርትራ ንቃልሲ ኣንጻር ግብረሽበራ ከም ዝተሓባበር ብቐጻሊ ዝገልጽ ኮይኑ፤ ብስዑዲ እናተመርሐ ኣብ የመን ኣንጻር ሑቲ ንዝካየድ ኲናት ከም ዝተሓባበር ይፍለጥ።

ኢራን፡ ሰሜን ኮርያ፡ ሶርያን ቬንዝወላን ጌና ኣብቲ ዝርዝር ዝርከባ ሃገራት እየን።

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዕጽዋት ሃገራት ዓለምና ኮይና፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ታሪኻዊ ሰላማዊ ሰምምዕ ምስ ኢትዮጵያ ብምግባር፡ ንክልተ ዓሰርተ ዓመታት ዝጸንሐ፡ ናይ ኲናት ሃዋህው መዕለቢ ገይራትሉ እያ።

ንምምሕያሽ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና እዘን ክልተ ሃገራት ስዒቡ፡ ሕቡራት ሃገራት ንከባቢ ትሽዓተ ዓመታት፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ እገዳ ኣልዒሉ እዩ።