ጋና ንደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ኣፍረይት ወርቂ ኮይና

ወርቂ Image copyright Getty Images

ጋና ንደቡብ ኣፍሪቃ ብምብላጽ፡ ቀዳመይቲ ፍረይት ወርቂ ኣፍሪካ ኮይና።

መጽናዕቲ ዜና ብሉምበርግ ከም ዝሓበሮ፡ ደቡብ ኣፍሪካ ንብዙሕ ዓመታት እታ ዝለዓለት ኣፍረይት ወርቂ ዝነበረት ኮይና፡ ልዑል መፍረይ ዋጋን ምስ ሰራሕተኛታት ዘሎ ዘይጸቡቕ ዝምድናን ንኢንዳስትሪ እታ ሃገር ኣድኪሙዎ እዩ።

ኣብ ጋና ካብቲ ዝፈስስ ሓዱሽ መዋእለ ንዋይ ብተወሳኺ፡ ትሑት መፍረዪ ዋጋ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2018 ደቡብ ኣፍሪካ 4.2 ሚልዮን ኦንስ ወርቂ ከተፍሪ እንከላ ጋና ድማ 4.8 ሚልዮን ኦንስ ወርቂ ኣፍሪያ።

እዚ ድማ ወሰኽ ምህርቲ ጋና ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት 12 ሚኢታዊት የርኢ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ