ስደተኛታት ኣብ ሊብያ፡ 'ሬሳታትና ኣብ ፍርጅ ኣለዉ'

ስደተኛታት Image copyright AFP

ኣብ ኣልጀበር ዚንታን ኣብ ዝተባህለ መዳጎኒ ዘለዉ ብዙሓት ኤርትራውያን ብሰንኪ ዋሕዲ ቐረብን ሕክምናዊ ክንክን ዘይምርካቦምን ይሞቱን ብሕማም ይሳቐዩን ከም ዘለዉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ መዳጎኒታት ሊብያ ኣብ ትሕቲ ሕማቕ ኩነታት ተታሒዞም ከም ዝጸንሑ ቢቢሲ ከቃልሖ ጸኒሑ'ሎ።

ኣብቲ መዳጎኒ ዚንታን ጥራይ ከባቢ 571 ኤርትራውያን ከም ዘለዉ እቶም ዘዘራረብናዮም ኤርትራውያን ገሊጾም።

"ብሰንኪ ስእነት ሕክምና፡ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ኣዋርሕ 22 ሰባት ሞይቶሙና፡ ነፍሲ ወከፎም ብሕማም ቲቢ [ዓባይ ሰዓል]ን ቸስት ኢንፈክሽንን ዝሞቱ'ዮም" ክብል ሓደ ካብቶም ስደተኛታት ይገልጽ።

ካብ መንጎ'ቶም ዝሞቱ ብዘይካ ሓንቲ ኢትዮጵያዊት፡ እቶም ዝተረፉ 21 ኤርትራውያን እዮም'ውን ኢሉ።

"ብዘይካ እዚኦም፡ ሕክምና ዘይረኸቡ ልዕሊ 132 ሕሙማን ዓባይ ሰዓል ኣለዉና።

ንሳቶም፡ ሬሳታት ብጾቶም ንቡር ብዘይምርካቡ ከም ዝሓዝኑን፡ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ክቕበሩ ዝገበርዎ ጻዕሪ ብዘይምስማሩ ጓሂኦም ገሊጾም።

"ሬሳታትና ስለ ምንታይ ዘይቅበሩ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ፍርጅ ኣለዉ ምስ በልናዮ ነቲ ሙዲር [ኣመሓዳሪ' መዳጎኒ] ንኤምባሲ ኤርትራ ምፍራም ኣብዩና ምስበለና፡ ባዕለይ ደዊለሉ፡ ስለምንታይ ዘይትቕበልዎም፡ ኤርትራውያን ዜጋታት ከለዉ ኢለዮ፡ ኣብ እዝነይ ዓጽዩኒ" ይብል።

ንኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሊብያን ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይተዓወተን።

እዞም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ መዳጎኒዳት ሊብያ ብሸፋቱን ነገዶ ደቂ ሰባትን እናተኸላበቱ ኣብ ከቢድ ጸገም ከም ዘለው ሓቢሮም። ብተወሳኺ፡ እቲ ዝወሃቦም መግቢ ንዝሐመሙ ዘይኮነ ወላው'ን ንጥዑያት ዘይሰማማዕ ብምዃኑ፡ ብዙሓት ካብኦም ኣደዳ ሕማምን ሞትን ኮይኖም ከም ዘለው እቶም ኤርትራውያን ሓቢሮም።

ኣብቲ ዘለውዎ መዳጎኒ ልዕሊ ሚእቲ ዝኾኑ ትሕቲ ዕድመ ከምዘለውን፡ ስለምንታይ ትላል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቆላሕታ ዘይገብረሎም ብምባል እቶም ስደተኛታት የማርሩ። ንወኪል እቲ ትካል ኣብ ሊብያ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰለጠን።

ትካል ስተደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቀዳምነት ዝህቦም ንትሕቲ ዕድመን ደቂ-ኣንስትዮን ዝርከብዎም ተነቀፍቲ ዝብሎም ምኳኖምን ኣብ ተቐበልቲ ሃገራት ዝምርኮስ ከም ዝኾነ'ውን ክጠቅስ ጸኒሑ'ዩ።

መንገዲ ስደት ብሊብያ

"ኣብ ቃርያን ሸውዓተ ወርሒ ጌርና፡ ካብኡ ናብ ሻርዕ ኣልመጣር መጺእና 4 ወርሒ ጸኒሕና፡ ድሕሪኡ ድማ ኣብዚ ዳርጋ 9 ወርሒ ጌርና ኣለና" ክብል ዮናስ ገብረመስቀል ካብ መዳጎኒ ናብ መዳጎኒ ክሰጋገር ከም ዝጸንሐ ሓቢሩ።

ኣብ ሻርዕ ኣልመጣር ዝነበረ ኩነታት ኣሰቃቒ ከም ዝነበረን፡ እቶም ሓለውቲ ይሃርምዎም፡ የሰራጥይዎምን ንብረቶም ይዘምትዎእምን ከም ዝነበሩ ብምስክሕካሕ ይዝክሮ።

27 ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብቲ መዳጎኒ ከም ዘግዓዙወን'ውን እቶም ስደተኛታት ገሊጾም። ይኹን 'ምበር ነቶም ምስኦም ዘለዉ ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ናብ ውሑስ ቦታ ዘይምግዓዞም'ውን ንትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቒፎም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ