ኤርትራ፡ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና ዝተወሰደ ስጉምቲ ኮኒና

ካተድራለ ኣስመራ Image copyright Getty Images

ብሮቡዕ ልኡኻት መንግስቲ ዝኾኑ ወተሃደራት፣ ፖሊስን ሓካይምን ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝርከባ ትካላት ጥዕና 'ኣረክቡና' ዝብል ሃንደበታዊ ስጉምቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ከም ዝተወሰደ፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣረጋጊጻ።

ነዚ ስዒቡ፤ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ናብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣብ ዝጽሓፉዎ መልእኽቲ፡ እታ ቤተ ክርስቲያን ህይወታ ምስ ኣገልግሎት ህዝቢ ዝተትሓሓዘ ስለ ዝኾነ፡ ንደቂ ሰባት ካብ ምህናጽ ሓሊፋ ኣንጻር መንግስትን ሃገርን ኮይና ኣይትፈልጥን ኢሎም።

ማእከላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ብመንግስቲ ኤርትራ ይህገራ ኣለዋ

ኣብ ገሊኡ ወገናት "ንሰራሕተኛታት ቤተ ክርስቲያን ምፍርራሕ፣ ሕክምናዊ ረድኤት ንዝረኽቡ ሕሙማት ድማ ንደገ ብምውጻእ እተን ትካላት ምዕሻግ፣ ገዳማት ብወተሃደራት ክሕሎ" ተራእዩ ኢዩ ይብል እቲ መልእኽቲ።

እቶም ነዚ መልእኽቲ ዝጸሓፉ ጳጳሳት፡ 'ሕግን ስርዓትን ኣብ ዘለዎ ሃገር ከምዚ ዝበለ ነገር ከመይ ገይሩ ይፍጸም' ድሕሪ ምባል፡ መንግስቲ 'ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ኣየድልየንን' እንተኢሉ ሓደ ጉዳይ ኢዩ፡ ንብረት ቤተክርስትያን ኣረክቡኒ ምባል ግን ቅኑዕ ከም ዘይኮነ ኣተሓሳሲቦም።

እዚ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና ዝፍጸም ዘሎ ኣገባብ ብዙሕ ከም ዘሕዘኖም ድሕሪ ምግላጽ፡ "ፈቲናን ፈቒድናን እንረክቦ ዝኾነ ንብረት የለን" ኢሎም።

"ንብረት ቤተክርስትያን ብኸምዚ መልክዕ ምውሳድ፤ ንህላወ ቤተክርስትያን ቀጻልነታን ምትንካፍ እዩ" ብምባል እቲ ተግባር ንስደት ገዳምን ገዳማውያንን ዘቃልዕ ምዃኑ ድማ ኣብቲ ምልእኽቲ ሰፊሩ።

መንግስቲ በዚ ጀሚሩዎ ዘሎ ኣገባብ እንተቐጺሉ ግና፡ 'መሰል ቤተክርስቲያን ከም ዝተግሃሰ ኢና ንርድኦ' ብምባል፡ ብሓይሊ ንዝወሰድ ተበግሶ ሳዕቤኑ ከቢድ ስለ ዝኾነ፡ ቤተክርስትያን ሓላፍነት ከም ዘይትወስድ ነፍልጥ ኢሎም።

ኩሉ ዝግበር ሕግን ስርዓትን ክኽተል ኣለዎ ዝበሉ እቶም ነዚ መልእኽቲ ዝጽሓፉ ጳጳሳት፡ ከም ኣድላይነቱ እታ ቤተክርስቲኣን ንዘተን ምርድዳእን ቅሩብቲ ምካና ሓቢሮም።

ስርዓት ደርጊ ብ1982 ዓ/ም ኣብ ልዕሊ እታ ቤተ-ክርስትያን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ወሲዱ ከምዝነበረን እቲ ዝተወሰደ ንብረት ንክምለሰላ ትሓትት ምጽናሓን እቲ ደብዳበ የመልክት።

ተወሳኺ ዛንታ