ኢትዮጵያ፡ ንመድሃኒት ዝለዓለ ካብ ዘኽፍላ ሃገራት ኣፍሪቃ

እዚ መድሃኢት ካብ ፈውሲ ቃንዛ ክሳብ ክሳብ ክኒና ሕማማ መንሽሮ ዝዝርጋሕ ኮይኑ፡ ነዚ መጽናዕቲ ዘካየደ ማእከል ዓለማዊ ምዕባለ፡ ኩሉ ሰብ ክገዝኦም ዝኽእል መድሃኒታት ቀዳምነት ክውሃቦም ከም ዘለዎ ይምዕድ። Image copyright AFP

ኣብ ከም ናይጀርያ፡ ኢትዮጵያ፡ ጋናን፤ ኬንያን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣፍሪቓ፡ መድሃኒት ካብቲ ዝግበኦ ዋጋ 30 ዕጽፊ ከቢሩ ከም ዝሽየጥ ሓዲሽ ዝወጸ መጽናዕቲ ይገልጽ።

ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ማእከል ዓለማዊ ምዕባለ (CDG) ዝተባሃል ትካል ትሑትን ማእከላይን ኣታዊታት ዘለወን ሃገራት ነቲ ቀንድን ብቕዓቱ ዝተረጋገጸን መድሃኒት ኣብ ምግዛእ ሕጽረታት የጋጥመን ከም ዘሎ የረድእ።

ነዚ ጸብጻብ ካብ ዝጸሓፉ ሓንቲ ዝኾነት ኣማንዳ ግላስማን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ብዙሓት ሃገራት ነቲ ብቕዓቱ ዝተረጋገጸ መድሃኒት ካብ ዓቢ ሽም ዘለዎ ትካላት ከም ዘገዝኣ ድሕሪ ምሕባር እንተኾነ፡ ሃገራት ነቲ ብቕዓቱ ዝተረጋገጸ መድሃኒት ካብ ዓቢ ሽም ዘይብለን ትካላት ብሕሱር ክገዝኣ እንተዝኽእላ ዋጋ መሸጣ መድሃኒት ክጎድል ምተኸኣለ ትብል።

ንሳ ብተወሳኺ ሃገራት ዝተወሃሃደ ዕድጊ መድሃኒት ከም ዘይክተላ ብምሕባር፡ ብቕዓቱ ዝተረጋገጸ ግን ከኣ ዋግኡ ዝሓሰረ መድሃኒት ኣብ ምግዛእ መስርሕ ወረድ ደይብ ከም ዘይክተላ ትሕብር።

እዚ መድሃኒታት ካብ ፈውሲ ቃንዛ ክሳብ ክኒና ሕማማ መንሽሮ ዝዝርጋሕ ኮይኑ፡ ነዚ መጽናዕቲ ዘካየደ ማእከል ዓለማዊ ምዕባለ፡ ኩሉ ሰብ ክገዝኦ ዝኽእል መድሃኒታት ቀዳምነት ክውሃቦም ከም ዘለዎ ይምዕድ።