ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ (ጸጋም) ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ (የማን) Image copyright Office of the Prime Minister-Ethiopia/twitter

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቖመ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ከም ዝተራኸበ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብትዊተር ሓቢሩ።

"ናይ ኤርትራ ልኡኻት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብሞት ወላዲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተሰምዖ ሓዘን ንቀዳማይ ሚኒስተር ብምግላጽ፡ ብዛዕባ ናይ ክልቲአን ሃገራት ናይ ሓደ ዓመት ጉዕዞ ሰላም ተዘራሪቦም" ክብልቲ ዝወጸ ሓበሬታ ገሊጹ።

ክልቲኦም ወጋናት ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ግጭት ንምውጋድ ዝገበርዎ ጻዕሪ ብምዝካር፡ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ንምሕያል ተላዚቦም።

ኣቶ ዑስማንን ኣቶ የማነን፡ ብ20 ሰነ 2018 ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ ሓደ ልኡኽ ንኤርትራ ክሰድድ ምዃኑ ድሕሪ ምዝራቡ፡ ድሕሪ 20 ዓመት ናብ ኢትዮጵያ ዝበጽሑ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራ'ዮም ነይሮም።

Image copyright Office of the Prime Minister-Ethiopia/twitter

"ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ሓያል ዝምድና ንምዝካር ድማ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ክልቲኦም ሰበስልጣን ብምዃን ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈ ቀዳማይ ሚኒስተር ገረብ ተኺሎም" ክብል እቲ ዝወጸ መግለጺ ጠቒሱ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ ብምኽንያት 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ናብ ህዝብን መንግስትን መልእኽቲ ሰዲዱ።

ኣብቲ ብቋንቋ ትግርኛ ዝተጻሕፈ መልእኽቲ፡ ንሰማእታት ኤርትራ ክብሪ ድሕሪ ምምናይ፡ ''መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ሕሉፍ መግደራን መስዋእትነትን ዝዝከረላ ዕለት ጥራይ ዘይኮነትስ መጻኢ ተስፋታት ህዝብታትና እውን ዝተበሰረላ ዕለተ ተስፋ እያ" ኢሉ።

Image copyright Office of the Prime Minister-Ethiopia/twitter
ናይ ምስሊ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ብኣጋጣሚ 20 ሰነ ናብ ኤርትራ ዝሰደዶ መግለጺ

ክልቲአን ሃገራት ብ9 ሓምለ 2018 "ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን" ድሕሪ ምፍራመን፡ ዶባተን ብምኽፋት ናጻ ናይ ሰብን ንብረትን ምንቅስቓስ ኣፍቂድን እኳ እንተነበራ፡ ኩሎም ናይ መሬት ዶባት ብወገን ኤርትራ ብምዕጻዉ እቶም ምንቅስቓሳት ደስኪሎም ይርከቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ምዕጻው ዶባት ምስ ናይ ጸጥታ ጉዳያት ዝተኣሳሰር ምዃኑን፡ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ሃገሮም ዘይተመልሱ ተቓውምቲ ጉጅለታት ነቲ ዕድል ክጥቀምሉ ይፍትኑ ኣለዉ ክብል ተሰሚዑ ነይሩ።

ብዛዕባ'ቶም ዝበሎም ተቓውምቲ ይኹን፡ ናይ ጸጥታ ስግኣታት ግን ብንጹር ኣይገለጸን።