"ንሕና ጽባሕ፡ ክልል ሲዳማ ከም ንእውጅ እየ ዝፈልጥ"

ሓድሽ [ተወለድቲ ዘዳለውዎ] ባንዴራ ሲዳማ

ንሲዳማ ክልል ኣብ ምግባር ዝነጥፊ ዘሎ ምንቅስቓስ ጀቶ፡ እቲ ትማሊ ብቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝተውሃበ መግለጺ ከም ዘይቅበሎን ምስቲ ሕገ መንግስቲ ዝጻረር ምዃኑን ንቢቢሲ ኣፍሊጡ።

ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ሕቶ ዝበጽሖ 12 ሕዳር 2011 ከምዝኾነ ብምጥቃስ ሃደ ዓመት ክሳብ ዝመልኦ፡ ኣብ መጻኢ ዘለዉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ህዝበ ውሳነ ንምክያድ ዘድልዩ ምስንዳኣት ክገብር ከምዝኾነ እዩ ውሳነኡ ኣፍሊጡ።

ኣዋሃሃዲትን አመራርሓን ምንቅስቓሰ ጄቶ ዝኾነት ራሄል ኢሳይያስ ግን እዚ ትማሊ ብቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝቐረበ እማመን ውሳነን ንሳን እቲ ንሳ ተወሃህዶ ምንቕስቓስን ከም ዘይቕበልዎ እያ ተዛሪባ። እቲ ሕቶ ንቦርድ ምርጫ ዝቐረበሉ ዕለት'ውን ከም'ቲ እቲ ቦርድ ዝብሎ ከምዘይኮነ ሓቢራ።

"መግለጺ ቦርድ ምርጫ፡ ምስ ናትና ሕቶን ሕገ መንግስቲ ዝእዝዞን ዝጻረር'ዩ" እትብል ራሄል ምኽንያታ ድማ ከምዚ ክትብል ተረድእ።

"ቅድሚ ሕዚ ናይቲ ዞባ ቤት ምኽሪ ብምሉእ ድምጺ እዩ ኣብ ሓምለ 11 ናብ ቦርድ ምርጫ ኣሕሊፍዎ። ንሕና ከምቲ ኣብቲ መግልጺ ቦርድ ምርጫ ዝተሓበረ ኣብ ሕዳር ዘይኮንናስ ኣብ ሓምለ ኢና ሕቶን ኣቕሪብና። ስለዚ ጽባሕ ሓደ ዓመት ይመልኣና ኣሎ። ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ሰፊሩ ከም ዘሎ ከኣ፡ ቤት ምኽሪ ዞባ ድሕሪ ምጽሓፉ ኣብ ሓደ ዓመት ሕቶና መልሲ ክረክብ ነይርዎ። ስለዚ እዚ ምርጫ ቦርድ ኢልዎ ዘሎ ምስቲ ሕገ መንግስትና ዝደንገጎ ዝጻርርን ኣገባብ ዘይብሉን እዩ።"

እታ ኣመራርሕ ምንቅስቓስ ጄቶ፤ ራሄል ከምእትብሎ፡ ካብ ጽባሕ ሓምለ 11 ጀሚሩ ክልል ካብ ምዃን ዝእግዶም ዋላ ሓንቲ የለን። "ከነሕልፎ ንደሊ መዓልቲ የብልናን፡ እቲ መዓልቲ ንጽባሕ እዩ። ስለዚ ንሕና ጽባሕ ክልል ሲዳማ ከምንእውጅ እየ ዝፈልጥ፡ ካብዚ ሓሊፉ 'ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ተጸበዩ' ዝብል ሓሳብ ኣይንቕበሎን ኢና፡ ንሶም እዮም ሕጊ ዘየኽበሩ እምበር ንሕና ሕጊ ተኸቲልና ንኸይድ ስለ ዘለና ነባኽኖ ግዜ የብልናን" ክትብል ወሲኻ ኣብሪሃ።

ሕቶ ክልልነት ሲዳማ ንዝሓለፈ ዓመት ውዕውዕ አዘራረቢ ኸይኑ ዝጸንሐ እንትኸውን፡ ካብ ፌደራል መንግስቲ ግልጺ ምላሽ ከይረኸበ እዩ ጸኒሑ።

ኣባል ግንባር ኢህወዴግ ዝኾነ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጵያ (ደኢህዴን) እውን እንተኾነ፤ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘካየዶ ናይ ማእከላይ ኮሚቴ አኼብኡ፡ ጉዳይ ሲዳማ ብዝምልከት ዝዘተየ እንትኸውን፡ እኹል መጽናዕቲ ገይሩ ነቲ ሕቶ ምላሽ ንምሃብ እዩ ኣብ ውሳንኡ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ እናሃለየ እዩ፡ ቦርድ ምርጫ ትማሊ ዓርሱ ኣብ ዳግም ውደባን ምውቓርን ከምዝርከብ ሓቢሩ፡ እቲ ህዝበ ውሳነ ኣብ መጻኢ ወርሒ ሕዳር ከካይድ ምዃኑ ዝሓበረ።

ሕቶ ክልል ሲዳማ እንታይ የስዕብ ?

ክልል ናይ ምዃን ሕቶ ህዝቢ ሲዳማ ንሓደ ዓመት እናተንከባለለ ጸኒሑ ሎሚ'ዩ ዓመቱ ኣቝጺሩ።

ከምዚ ዓይነት ሕቶ ኣብ ሓደ ዓመት ውሽጢ ምላሽ ከረክብ ኣለዎ ይብል ዓንቀጽ 47 (3) እቲ ሕገ-መንግስቲ።

እዚ ጉዳይ ኣመልኪትና ዘዘራረብናዯ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ሕገ-መንግስቲ፡ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ገ/መስቀል ሃይለ ኣብ ሕጊ ተደሪኹ ከምዚ ይብል።

እቲ ምሁር ሕገፊ፡ ቀዳማይ ብድሆ ገይሩ ዝወስዶ እቲ ሕቶ ኣብ ሓደ ዓመት ክሃልቕ ነይሩዎ ዝብል እዩ።

"ሐዚ ተወሳኺ ሓሙሽተ ወርሒ ተጸበዩ ምባሉ ኣብቲ ማሐበረሰብ ውሽጢ ቅርሕንቲ ከስዕብ ይኽእል እዩ" ይብል።

ከምኡ ድማ እዚ ክስተት ምስቲ ዘይተለምደ ምዃኑን፤ ምስ ክፍፍል ሃፍትን ጉዳይ ዋንነት ከተማ ሃዋሳን ተዛሚዱ ዘይምርድዳእ ከስዕብ ከምዝኽእል ይዛረብ።

መልከኣ-ምድራዊ አቀማምጣ ሲዳማ 'ውን እንተኾነ ነቶም ዝተረፉ ብሄረሰባትደቡብ ብፍላይ ንብሄረሰባት ጌድዮን ወላይታን ኣብ ክልተ ስለዝመቕሎም፡ ኣብ ወሰን ኣካልላ ሳዕቤን ክህልዎ እዩ ዝብል ግምት ኣለዎ።

"ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዳግም አወዳድባ ክልላት ናይ ባዕሉ ጸገም ክፈጥር ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ኣለኒ" ኢሉ።

ከምኡ'ውን ናይ ሲዳማ ናብ ደረጃ ክልልነት ሓፍ ምባል፡ ከም ብሄረሰብ ወላይታ ዝኣመሰሉ ተመሳሳሊ ሕቶ ዘቕርቡ ብርክት ዝበሉ ብሄረሰባት ከምዝህልው'እሞ ዝወሃቦም ምላሽ ዘይከዕግቦም ከምዝኽእል እቲ ምሁር ሕጊ ይሕብር።

"ናእሽቱ ዝኾኑ ዘየቋርጹ ተመሳሰልቲ ሕቶታት ክቕጽሉ እዮም" ይብል።

ህዝቢ ወላይቶ ድሮ'ውን ሕትኡ ቅድሚ ሲዳማ ጀሚሩ ከምዘቕረበን ኣብ ሓጺር እዋን ምላሽ ከምዝጠልብን ይገልጽ ኣሎ።

ከም ሃገር ግን፡ ሲዳማ ከም ኣብነት ኣወንታውን ኣሉታውን ሳዕቤናት ከምጽእ ከምዝኽእል እቲ ምሁር ይዛረብ።

እቲ ከይዲ ብሕግን ብሕገ-መንግስቲ መሰረትን እንተኸይዱ ኣብታ ሃገር ሐዚ ንዝረአ ዘሉ ኩለመዳያዊ ጸገማት ከዘሓሕል ይኽእል እዩ፤ ብኣንጻሩ ነቲ ሕገ-መንግስቲ ምሽርራፍ እንተተጀሚሩ ከጋገድዶ ይኽእል እዩ፡ ዝብል ግምት እዩ ዘለዎ።

"እቲ መግለጺ ደኢህዴን'ውን ሪእናዮ እንተኾይንና፡ ናይ ሲዳማ ጉዳይ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ምዃኑ ዘርኢ እዩ። ኣብቲ ናይቶም ካልኦት ሕቶታት ግን 'ኣነ ይፈልጠልካ' ብዝብል 'ንስኻ ምስዚ ኩን ንስኻ ናብዚ ኩን' ዝብል ናብ ምደባ ዝኸዱ ይመስለኒ፤ እዚ ድማ ሓደገኛ እዩ" በሃሊ እዩ።

እዚ ድማ ብፍላይ ምስቲ ባህሪ እቲ ፌደራል መንግስቲ እንትረአ ዘይተርፍ ምዃኑ እዩ ዝትንብይ።

"ሕገ-መንግስታዊ መሰላት ኣብ ምጭፍላቕ እዩ ጸገማት ክፍጠር ዝኽእል" ክብል ድማ ሓሳቡ ይዛዝም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት