ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኮይኑ ተሸይሙ

ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ Image copyright AMHARA MASS MEDIA

ባይቶ ክልል ኣምሓራ ንኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ናይቲ ክልል ርእሰ ምምሕዳር ክኾኑ ብምሉእ ድምፂ ኣጽዲቑ።

ኣይተ ተመስገን ብዘለዎ ተሞክሮ ነቲ ክልል ብጽቡቕ ክመርሕ ከም ዝኽእል ኣባላት ባይቶ ምዝራቦም ቴሌቪዥን ኣምሓራ ጸብጺባ።

ንሱ ብድሕሪ ሹመቱ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ፡ ሕቶታት ወሰንን መንነትን ናብ ግጭት ብዘየእቱ መገዲ መልሲ ክረኽቡ ከም ዝሰርሕ ገሊጹ።

"ምርግጋጽ ልዕልና ሕጊ ንጽባሕ ዝበሃል ጉዳይ ኣይኸውንን" ዝበለ እቲ ሓድሽ ርእሰ ምምሕዳር፡ ንፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ህንጸት መንበሪ ኣባይትን ኢንቨስትመንት (ወፍሪን) ትኹረት ከም ዝህብ ሓቢሩ።

ኣይተ ተመስገን፡ ነቲ ክልል ይመርሕ ዝነበረ ዶክተር ኣምባቸው መኮነን ካብ ዝቕተል ወርሒ ኣብ ዝመልኦ'ዩ ሽመቱ ጸዲቑ ዘሎ።

ናብዚ ሹመት ክሳብ ዝመጽኣሉ እዋን ድማ ብመዓርግ ሚንስትር ናይ ቀዳማይ ሚንስትር ኣማኻሪ ብሄራዊ ድሕነት ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ።

ኣይተ ተመስገን መን'ዩ?

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምብራቕ ጎጃም፡ ቢቸና ኣብ ዝተበሃለት ወረዳ ተወሊዱ።

ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቱ ኣብቲ ተወሊዱ ዝዓበየሉ ከባቢ ዝተኸታተለ ኮይኑ፡ ቀዳማይ ዲግሪ ብፌፍትዌር፡ ካልኣይ ዲግሪ ድማ ብኣመራርሓን ምምሕዳርን [እንግሊዝ ዩኒቨርሲቲ ግሪንዊች] ኣለዎ።

ካብ ክልል ኣምሓራ ክሳብ ፌደራል ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነት ስራሕ ተመዲቡ እናሰርሐ መጺኡ እዩ።

ኣማኻሪ ጸጥታን ቴክኖሎጂን፣ ምኽትል ኣካያዲስ ስራሕ በዓል መዚ ገጠር መገድታት፣ ኮሚሽን ኮሚሽነር ፖሊስ ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ዝነበርዎ መዝነታት ገሊኦም'ዮም።

ብደረጃ ፌደራል ድማ፡ ንሃገራዊ ኤጀንሲ ድሕነት መረብ መረዳእታ ኢትዮጵያ ብዳይሬክተርነት ሰሪሑ።

ኣካቢ ቦርድ ኣመራርሕ ስራሕ ኢትዮ-ቴሌኮም ከምኡ'ውን ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብሓላፍነት ኣገልጊሉ።