ፕሮ/ ጋይም ክብረኣብ፡ "ሃገራዊ ኣገልግሎት ማሕበራዊ ውህደት ዝፈጥር ባይታ'ዩ"

ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ ኣብ መድረኽ Image copyright GAIM
ናይ ምስሊ መግለጺ "ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰላም እንተነጊሱ እቲ ምኽንያት ኣልጊሱ'ሎ ማለት'ዩ"

ኣብ ዙርያ ስደትን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ንነዊሕ ዓመታት ዓሚቚ መጽናዕትን ምርምርን ዘካየደ፡ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ኣብ ሳውዝ ባንክ ዩኒቨርስቲ ዝምህር ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ፡ መንግስቲ ኤርትራ ስልጣን ምስ ሓዘ ካብተን ቀዳሞት ዘርቀቐን ሕግታት፡ ሕጊ ሃገራዊ ኣገልግሎት እያ ይብል።

ኤርትራ ናጻ ሃገር ምስ ኮነት ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ዝበሃል ሕጊ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ሕዳር 1991 ከም ዝተኣወጀ'ውን ይገልጽ።

እዚ ናይ 1991 ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ሰፊሕን ዝርዝራውን ከም ዘይነበረ ዝገልጽ ፕሮፌሰር ጋይም፡ እቶም ዝምልከቶም'ውን ኣዝዮም ውሑዳት ምንባሮም ይዝክር።

ብዓል ሓዳር፣ ኣስራሓይ ወይ ሰራሕተኛ፣ ነጋዳይ እዚ ኣዋጅ ከም ዘየካትቶም ዝዛረብ እዚ ሙሁር፡ ነተን ኣብ ባራትን ለይታዊ ትልሂታትን ዝሰርሓ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ግን ዕድሚአን ልዕሊ 18 እንተኾይኑ ከገልግላ ኣለወን ይብል ምንባሩ ይገልጽ።

እዚ፡ ኣብቲ ሕብረተሰብ ናይ ሞራል ለውጢ ንክግበር ይሕሰብ ከም ዝነበረ ዘርኢ'ዩ ዝብል እምነት ድማ ኣለዎ።

ድሓር ግን ኣብ ሕዳር 1995 ሓዲሽ 82/1995 ዝተብሃለ ኣዋጀ ተኣዊጁ፤ ኣብዚ ሕጊ እዚ ክአ ንብምልኡ እቲ ኣይምልከቶን'ዩ ተባሂሉ ዝነበረ ኩሉ፡ ካብ 18 ክሳብ 40 ዝዕድሚኡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከገልግል ይእዝዝ ነይሩ።

እቶም ዘይምልከቶም ኣካላት፡ ተጋደልትን ኣካላውን ስነ-ኣእምርዊ ስንካለ ዘለዎም'ሞ ብሕክምና ዝተመስከረሎም ጥራሕ እዮም። ብሓጺሩ ኩሉ ኤርትራዊ ጾትኡን ሃይማኖቱን ብዘየገድስ ን18 ኣዋርሕ ከገልግል ተሓጊጉ።

ቢቢሲ - ቀዳማይ ዙር ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ 1994 እዩ ጀሚሩ። በየናይ ኣዋጅ ደኣ እዮም ቀዳማይ ዙር ከይዶም?

ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብእቲ ቀዳማይ ተኣዊጁ እምበር ብዙሕ ኣይሰርሐን። ኣብ 1994 እዩ ኣብ ግብሪ ውዒሉ። እቶም ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ከኣ በቲ ቀዳማይ ኣዋጅ እዮም ከይዶም። መብዛሕትኦም ከኣ ትምህርቲ ወዲኦም ስራሕ ዘይሓዙ፡ ወይ ኣብ ትምህርቲ ዘይነበሩ እዮም ነይሮም። ድሕሪኡ ግን ነቲ ኹነታት ርእዮም ብምልኡ ኤርትራዊ ከም ዝምልከቶ ገይሮሞ።

ቢቢሲ - ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ከመይ እዩ? እንታይ ዝበጻሕካዮ መደምደምታ ኣሎ?

ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብሃገራዊ ኣገልግሎት ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን። እቲ ናይ 30 ዓመታት ውግእ፡ ነቲ ሕብረተሰብ ይኹን ነቲ ቁጠባ ናይታ ዓዲ ብዙሕ ኣድኪምዎ፡ ኣቑሲልዎን ኣዕንይዎን'ዩ።

ኣብቲ እዋን እቲ ናይ ሰብ ሞት፡ ናይ ንብረት ዕንወት ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ትምህርቲ፡ ወፍሪ ዕድላት ተነፊጉ'ዩ። በዚ ክኣ ንኤርትራ ብዙሕ ዕድላት ሓሊፍዋ'ዩ። ድሕሪ እዚ ኤርትራ ዝነበራ ቀንዲ ጸጋ፡ ዓቕሚ ናይ ሰባ ጥራይ እዩ። ስለዚ ነቲ ዝዓነወ ቁጠባ በቲ ዘለካ ጸጋ ተጠቒምካ ክትሃንጾ ምፍታን ብጣዕሚ ጽቡቕ ሓሳብ እዩ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ድሕሪ 20 ዓመት ወጥሪ ዶባት ዝተራኸበ ህዝቢ

ዝኾነ ይኹን መንእሰይ ን18 ዓዋርሕ ተሳቲፉ ንሃገሩ ክሃንጽ፡ ንዓዱ ከበርክት ሓደ ካብ ዕላማታት'ዩ። ብዓቢኡ ከኣ ኤርትራ ትሽዓተ ብሄራት ስለ ዘለዋ፡ ካብ በበይኑ ቦታታት መጺኦም፡ ኣብ ሓደ ዕላማ፡ ኣብ ሓደ ቦታ ተቐሚጦም ክላለዩ ይኽእሉ። ኣብ ንሓድሕዶም ዝምድና ክፈጥሩ ይኽእሉ። ሓድነት ናይ ሃገር ከኣ ክነድቕዎ ይኽእሉ። ካብቲ ፍልስፍና ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት'ውን እቲ ሓደ እዚ እዩ።

ስለዚ መበገሲኡን ዕላምኡን ጽቡቕ'ዩ ነይሩ። እቲ ጸገም እቲ ዘደሊ ናይ ሕጊ ትሕተ ቕርጺ ሰረት ስለዘይተገብረሉ እዩ።

እቲ ኣዋጅ ነይሩ እዩ፡ ከመይ ገይርካ ናብ ተግባር ከም እተሰጋግሮ፡ ከመይ ገይርካ ከም እተመሓድሮ፡ መሰላት ተሳተፍቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት እንታይ እዩ? መሰሎም እንተተጋሂሱ ኣበይ እዮም ይግባይ ዝብሉ? ነዚታት ዝቆጻጽር ምምሕደር ኣይነበረን።

እቶም ነዞም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝመርሕዎም ተጋደልቲ'ዮም ነይሮም። ተጋደልቲ ብዘይ ረብሓ ንሃገር ጥራይ ዝሓስቡ፡ ኩሉ ዝገብርዎ ንረብሓ ሃገር'ዩ ስለዝተባህለ፡ ሕጊ ኣየድልዮምን'ዩ ተባሂሉ ተኣሚኑ። ኩሉ ሰብ ከም ዝፈልጦ እቶም ተጋደልቲ ናይ ስድራቤታቶም ጸገም ነይርዎም። እቲ ኩነታት ተቐይሩ፡ ከምቲ ኣብ ሳሕል ዝነበርዎ ኮይኖም ክቕጽሉ ኣይክእሉን'ዮም።

ነቲ ዕላማ ብዘይምኽታል ከኣ ነቶም ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበሩ መሰሎም እናገሃስካ፡ ንናይ ውልቆም ረብሓታት ክጥቀሙሎም ተራእዮም። እቲ ቅንዑን ቅዱስን ዝኾነ ዕላማ እናተዳኸመ ከይዱ። ብዓቢኡ'ውን ግዝኡ'ውን እና ተመጠጠ ከይዱ። ከምቲ ዝተኣወጆ ን 18 ኣዋርሕ ጥራይ እንተዝነብር ኩሉ ሰብ ተጸሚሙ ምወደኦ። ጥቕሙ'ውን ዓቢ ነገር ምኾነ። መወዳእታ ዘይብሉ ምስ ኮነ ግን ዳርጋ መብዛሕትኦም ክደኽሞም ጀሚሩ።

ኣብ 2003 ከኣ ተምሃሮ ትሕቲ 18 ዝዕድሙኦም 11 ክፍሊ ምስ ወድኡ ብስም ትምህርቲ ናብ ሳዋ ክወርዱ ጀሚሮም። ብዙሕ ጉድለታት ነይርዎ። እቲ ጉድለታት ከኣ ብሕጊ ስለ ዘይተኻየደ እዩ።

መብዛሕትኦም ዘዛረብብክዎም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት'ውን ኣብቲ ዕላማ ተቓውሞ የብሎምን። ብሕጊ ዘይከይድ ምንባሩን ገደብ ግዜ ስለ ዘይበሉን'ዩ ኣድኪሙና እዮም ዝብሉ።

ቢቢሲ - ብዙሓት ሃገራት፡ ሃገራዊ ኣግልግሎት የካይዳ እየን። እቲ ዝሓሸን ዝጠዓየን እትብሎ ኣገባብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ ኣየነይቲ ሃገር እዩ?

ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብከም ፍልስፍና እቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ እዋን ሰውራ ፈረንሳ ኣብ ኣውሮጳ'ዩ ተጀሚሩ። ኣብ ኣሜሪካ'ውን ብተመሳሳሊ፡ ብዛዕባ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዙሓት ፍላስፋታት ጽሒፎም ኣለዉ። ብግብሪ ግን ብዙሕ ዝተዓወተ ሃገራዊ ኣገልግሎት የለን።

ናይ ናይጀርያ ግን፡ ቁስሊ ውግእ ብያፍራ ንምሕዋይ ተባሂሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ገይሮም። እቲ ዘምጽኦ ውጽኢት ምስ ካልኦት ሃገራት ዘካየደኦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብምንጽጻር እቲ ዝሓሸ እዩ።

ኣብ ናይጀርያ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ ተመደብካ፡ ኣብ ናትካ ዘይኮነ ዞባ ኢኻ ተገልግል። እዚ ከአ ብዕላማ እዩ ተገይሩ። ዩኒቨርስቲ ምስ ወድኡ ሓደ ዓመት የገልግሉ።

ቢቢሲ - ዕላማ እቶም ፈለማ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዘተኣታተው ሃገራት እንታይ እዩ ነይሩ?

ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብእቲ ቀንዲ ዕላምኡ ወተሃደራት ንምኽታብ ጥራይ ኣይነበረን። ንሱ ካልኣዊ'ዩ። ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ክልሰ ሓሳብ ኣንጊስካ ኣብቲ ሕብረተሰብ ሓድነት ምፍጣር'ዩ።

ክልተ ርእይቶ እዩ ዘሎ። እቲ ሓደ፡ ጉልበት ናይ ሰብ ብጥርሑ ምምዝማዝ፡ ከምኡ እውን ንቶም መንስያት ኣብቲ ብቐሊሉ ክጽለውሉ ዝኽእሉ ዕድሚኦም ከም ድላይካ ጌርካ ምምልማል እዩ። እዚ ከኣ መሰረታዊ መሰል ናይቶም መንእሰያት ዝግህስ እዩ ዝብል ኣረኣእያ ኣሎ።

በቲ ሓደ ከኣ፡ ብፍላይ ሓንቲ ሃገር ብውግእ ደኺማ ነቲ ታሕተዋይ ቅርጺ ንክትሃንጽ፡ ሓድነት፡ ተወፋይነት፡ ኣረኣእያ ናይቲ ህዝቢ ኣብ ሃገር ዘለዎ ተወፋይነት ኮስኲሱ ከዳብሮ ስለዝኽእል፡ ነቲ ናይ ሃገር ህንጻ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ ዝብል እዩ።

ንኣብነት ሓደ ኢትዮኒ ዝብሃል ኣሜሪካዊ፡ ብዛዕባ ሕብረተሰብ ብዙሕ ዝጽሐፍ ፍሉጥ ሰብ እንታይ ይብል፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ማሕበራዊ ኣሕባሪ (ሶሾሊጂካል ሚክሰር) እዩ ዝብሎ።

ነቲ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ፡ መበቆል፡ ደርቢ ጥቕሚ ዘለዎ ኣብ ሓደ ኣምጺኡ። ን24 ሰዓታት ለይትን መዓልትን ብሓደ እናተቐመጡ፡ ብሓደ እናሰርሑ፡ ብሓደ እናደኸሙ፡ ሓድነቶም ኣዝዩ'ዩ ዝድልድል። ስለዚ እቲ ሓደ ካብ ጥቕምታት ሃገራዊ ኣገልግሎት እቲ ብሓደ ኮይንካ ትሰርሖ፡ ትላዘቦ፡ ትምሃሮን ትሃንጾን ነቕ ዘይብል ሓድነትን ነታ ሃገር ኣዝዩ ረብሓ'ዩ እዮም ይበሉ።

ቢቢሲ - እቶም ሃገራዊ ኣገልግሎት ባርነት እዩ ዝብሉ ፍላስፋታትከ ብዓል መን'ዮም?

ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብኢትዮኒ፡ ንሃገራዊ ኣገልግሎት ኣዝዩ እዩ ዝድግፎ። እቶም ናይ ውልቀ ሰብ መሰል ቀዳምነት ዝህቡ፡ ሓደ ሰብ ብዘይ ደሞዝ ብዘይ ድልየቱ፡ ትምህርቲኡ ኣቋሪጹ፡ ናይ መጻኢ ዕድሉ ኣምኪኑ፡ ዋላ ሓንቲ ዓመት ትኹን ካብቲ ናይ ውልቁ ዕላምኡ ምቁራጹ ግህሰት'ዩ እዮም ዝብልዎ።

እቶም ካልኦት ድማ፡ እዚ ኩሉ፡ ነታ ሃገር ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዕኡ'ውን ከም ሰብ ንኽህነጽ ይሕግዞ እዩ እዮም ዝብሉ። ፍልጠት፡ ሞያ ዲሲፕሊን ይቐስም። ብሕብረተሰብ'ውን ኣዝዩ እዩ ዝኽበር። ስለዚ ውጽኢት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣዝዩ ጠቓሚ'ዩ እዮም ዝብሉ።

እቲ ቀንዲ ድኻም ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ እቶም ዘካይድዎ፡ ፈጺሙ ደረት ዘየብሉ ስልጣን እዩ ተዋሂብዎም። ብእኡ ምኽንያቶ እዮም ከኣ ነተን ደቂ ኣንስትዮ ዘሸግሩወን፡ ነቶም መንእሰያት ብዘይሰብኣዊ ኣገባብ ዝቐጽዑዎም። ይግባይ ትብለሉን፡ ኡይታኻ ተስምዓሉ ቅርጺ ኣይነበረን።

ቢቢሲ - እዚ ሃገራዊ ኣገልግሎት ደረት ዘይብሉ ስለ ዝኾነ፡ ሰብኣዊ ግህሰት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ስለዘሎ፡ ዝብሃል ዘረባ ብዙሕ ግዜ የካትዕ'ዩ። ምናልባት ኣብ ተሞክሮኻ፡ ኣብቲ ዝገበርካዮ መጽናዕቲ ብዓመጽ ተገሲስና፡ ተደፊርና ዝብላ ደቂ ኣንስትዮ ረኺብካዶ?

ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብዓመጽ ክብሃል እንከሎ'ኮ ጠበንጃ ሒዞም ወይ ኣብ ክሳደን ካራ ሒዞም ኣይኮኑን ዝዕምጽወን። እንታይ እዮም ዝገብሩ፡ መሰል ናይ ዓመታዊ ዕረፍቲ ስለ ዘየለ፡ እቲ ናይ ስራሕ ኣከፋፍላ ብሕጊ ስለ ዘይምደብ፡ እንታይ ዝገበረ እንታይ ይቕጻዕ ዝብል ሕጊ ስለ ዘየለ፡ ዝተቐጻዕካዮ ኣይግብኣንን እዩ እንተኢልካ፡ ይግባይ ኢልካ ተስምዓሉ ኣካል ስ ለዘየለ፡ ብሕልፊ ነተን ደቂ ኣንስትዮ፡ ለይቲ ዋርድያ ክትወጽኢ ኢኺ፡ ኣብ ግዜ ውግእ'ውን ናብ ውግእ ክእትወኪ እየ፡ ኢልካ ብምፍርራሕ እዩ ዝግበር። ኣብ ገሊኡ'ውን ቀጥታዊ ዓመጽ የጋጥመን እዩ።

ክልተ ርእይቶ እዩ ዘሎ። 280 ዝኾኑ ካብ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ቃለ መሕተት ገይረሎም። ገሊአን ብድልየትካ እዩ እምብር ብሓይሊ ዝብሃል የለን ክብላ እንከለዋ፡ ገሊኦም ከኣ ብርግጽ ዓመጽ ነይሩ እዩ።

ጠበንጃ ሒዝካ ዘይኮነ ግን ሓለፋ ብምሃብ፡ ዕረፍቲ ክሰደኪ እየ ብምባል፡ ብምፍርራሕ፡ ማይ ውረድለይ፡ ዕንጨይቲ እረይለይ ብዝብሉ ነገራት እዮም ዝፍጸሙ ነይሮም እዮም ዝብሉ። እዚ ኩሉ ከኣ ንነብሰን ክኸላኸላሉ ዝኽእላ ሕጊ ስለዘየለ እዩ ዝፍጸም ነይሩ።

መጽናዕቲ ክገብር እንከለኹ፡ ብዛዕባ ኣብታ ዓዲ ዝፍጸም ዘሎ ጥልመታትን ግፍዕታተን ኣመልኪትና ምስ ሓደ ሰብኣይ ነዕልል ነይርና። "ክፉእ ንርኢ ኣለና፡ ብጣዕሚ ይሓዝን ግን ኣይገርመንን እዩ። ንወዲ ሰብ ግፍዒ ካብ ምፍጻም ክልተ ነገር እዩ ዝዓግቶ።

እቲ ሓደ እቲ ዝፍጽሞ ግፍዒ ከቕጽዓኒ እዩ እንተይሉ፡ ወይ ፈሪሃ እግዝኣቢሄር እንተሃልይዎ እዩ። እዞም ሰባት ግን ሕጊ ኣይፈርሑ ፈሪሃ እግዝኣቢሄር'ውን ዘይብሎም እዮም" ኢሎሙኒ።

ንዓይ'ውን እዚ እዩ ዝርኣየኒ፡ ሕጊ እንተዘይፈሪሕካ ነቲ ስልጣንካ ተጠቒምካ ክትመራሳሕ፡ ክትግዕዚ ዘይተርፍ ነገር እዩ። ልጓምን መዕገትን ኣይተገበረሉን በዚ እዩ ከኣ ኣብ ኤርትራ ብዙሕ ጸገም ተፈጢሩ። ሃገራዊ ኣገልግሎት ሕጊ ኣልቦ ምኳኑ እንተዘይኮይኑ ዝቋወሞ ሰብ ኣይረኸብኩን፡

ቢቢሲ - ግህሰት ይፍጸም ኣሎ፡ ምስ ተብሃለ፡ መንግስቲ ኤርትራ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ከም ዘውርዶ ሓቢሩ ነይሩ። ክሳብ ሕጂ ግን ብጭቡጥ ናብቲ ዝበልዎ ኣይተመለሰን። እንታይ ትብሎ ኣለካ?

ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብኣብ 2016 መብጽዓ ኣትዮም ነይሮም፡ ግን ኣየተግበሩዎን። የማነ ገብርኣብ ንናይ ደገ መንግስታት ዝበሎ እዩ። ምኽንያቱ ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል፡ ናይ ኢትዮጵያ ስግኣት ስለ ዘሎ፡ እዚ ሃገረዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ክወርደ እዩ ዝብሃል ትርጉም የብሉን ብምባል ነቲ የማነ ገብረኣብ ዝበሎ ኣፍሪሱዎ እዩ።

ሕጂ ግን ሰላም ካብ ዝግበር ዓመቱ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ግፋ፡ ምዕስካር ጠጠው ኣይበለን። እቲ ሃገራዊ አገልግሎት'ውን ናብ 18 ኣዋርሕ ኣይወረደን። ኣብ ኤርትራ ዝተገበረ ለውጢ የለን።

ስለዚ እቲ ካብ ኢትዮጵያ ስግኣት ኣለና ዝብሃል ዝነበረ ሕጂኸ ድኣ ስለምንታይ ኢልካ ክትሓትት ትግደድ ኢኻ።

ቢቢሲ - እዚ ናይ 30 ዓመት ቃልሲ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝነበረ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተባሂሉ ክጥቀስ ይከኣልዶ?

ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብተጋደልቲ፡ ብሓንሳብ ስለ ዝጠመዩ፡ ስለ ዝተቃለሱ እቲ ዓወት ተረኺቡ። እቲ ተቓላሳይ ኣብ ንሓድሕዱ ምትእምማን ነይሩዎ እዩ። እቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከኣ ናይ መወዳእታ ውጽኢቱ እዚ እዩ።

ኣብ ሜዳ ዝነበረ 'ንስኻ ጽናሕ ኣነ ክስዋእ' ዝብል ምትእማን ካብዚ ዝብርኽ ምትእምማን የለን። እዚ ግን ኣብቲ ጽንኩር ኩነታት ንናጽነት ወይ ሞት፡ ንህዝብና ካብዚ ዘሎ መከራ ከነናግፎ ኢና ዝብል ዕላማን ብሓደ እትሓልፎ መከራን እዩ ነቲ ሓድነት ፈጢሩዎ።

ናጽነት ምስ ተረኸበ ግን ከምኡ ክቅጽል ኣይክእልን እዩ።

ገሊኦም ናብ ጥጡሕ ስድራ ቤት ተመሊሶም። ንገለ ስድረኦም ዓንዩን ተበታቲኑን ጸኒሕዎም። ንገለ ስድረኦም ክልምኑ ጸኒሐሞም። እቲ መንግስቲ እውን ምስ ባንኪ ዓለም ይኹን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ስለ ዘይተሳነየ፡ ሓገዝ ክረክብ ኣይከኣለን።

እግሪ ከትክሎም ከኣ ኣይከኣለን። እቲ ስድርኡ ክሕግዝ፡ ንነብሱ ክኣሊ ዝደሊ ተጋዳላይ ከኣ ከም ውልቀ ሰብ ብዙሕ መደባትን ውጥናትን እዩ ነይርዎ። ከምኡ ኢሉ ክቅጽል ኣይክእልን'ዩ ነይሩ።

እቶም ንሃገራዊ ኣገለግሎት ከካይዱ ሓላፍነት ዝተወሃቦም'ውን ብተመሳሳሊ ኣተሓሳስብኦም ቅድምን ድሕርን ናጽነት በበይኑ እዩ ነይሩ። ብሕጊ ክዕገት ብሕጊ ክካየድ እዩ ዝግባእ ነይሩዎ።

ብሕጊ፡ ናይቶም ተጋደልቲ መሰል ይሕሎ። ብሕጊ ከኣ መሰል ናይቶም ሃገራዊ ኣገልግሎት ክሕሎ ምተኻኣለ ነይሩ። ከምዚ ዝበደለ ከምዚ ፍርዱ ዝብል ቅርጺ ዘለዎ ሕጊ ኣይተገበረን። ኣብ ልዕሊ እቲ ገደብ ግዜ ዘየብሉ ምዃኑ ከኣ እቲ ቀንዲ ውድቀት ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮይኑ።

ተወሳኺ ዛንታ