"ሃገራዊ ኣገልግሎት ብግቡእ እንተዝመሓደር ቅያ ምተሰርሐ"

ኣብ ሳዋ ወታሃደራውን ታዕሊምን ኣካዳሚያዊ ትምህርትን ይወሃቦም Image copyright MARY HARPER

ሓሙሽተ ኣዋርሕ ድሕሪ ዓወቱ፡ ኣብ ሕዳር 1991 ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝኣወጀ መንግስቲ ኤርትራ፡ ክሳብ ሕጂ ብዓሰርተታት ኣሻሓት መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ሃገራዊ ወፍሪ ኣሳቲፉ'ዩ። ኣባላት ቀዳማይ ዙር ርእይተኦም የካፍሉ።

ንቕሎ ንሃገራዊ ኣገልግሎት

ኣብ መፋርቕ 1994 ነፍሲ ወከፍ መንእሰይ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክፍጽም ንሳዋ ክወርድ ብመራኸቢ ብዙሓት ምስነተግረ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዓቢ መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ነይሩ።

ገሊአን ስድራታት "ገድሊ 30 ዓመታት ዛዚምናስ ሕጂ ኸኣ ናብ በረኻን ታዕሊምን ክንከይድ። ሕጅስ እባ ደቅና ይእከሎም ብዝሓለፈ ይእከለና" ክብሉ እንከለዉ፤ ገሊኦም ከኣ፡ "ዋእ፡ ደቅና ዓበይቲ አሕዋቶም ተሰዊኦም ንዘምጽኡዋ ሃገር ተወፍዮም ይህነጹዋ እምበር፡ መን ደኣ ክሃንጸሎም" ዝብል ውዕዉዕ ክትዕ ነበረ።

ኤርትራ ኣብ ግንቦት 1991 ብኩናት ንዘረጋገጸቶ ወተሃደራዊ ዓወት፡ ኣብ ሚያዝያ 1993 ህዝባዊ ሕርያ ኣካይዳ፡ 99.8% ካብ ህዝባ "እወ ንናጽነት" ስለ ዘድመጸ ሕጋዊ ናጽነታ ኣረጋጊጻ።

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባንዴራኣ ኣንበልቢላ፡ ኣባል ማሕበረ-ሰብ ዓለም ልዑላዊት ሃገር ኮይና። ዓመትን መንፍቕን ኣብ ዘይመልእ ግዜ ከኣ መንእሰያታ ሃገሮም ንክሃንጹ ንሳዋ ክወርዱ ጻውዒት ኣቕሪባ።

ስድራ-ቤታት፡ "እሞ ምዕላም ምዕላሙስ ኣብ ኣስመራ፡ ወይ መዓለሚ ወተሃደራት ኣብ ዝነበረ፡ ኣብ ካምቦ ደቀምሓረ ዘይከውን፡ [ደቀምሓረ ኣብ እዋን ሃይለስላሰ ናይ ታዕሊም ቦታ ስለዝነበሮ] ሕጂ ንባርካን በረኻን፡ ናብ ኣጻምእን ቆላንሲ እንታይ ኣምጸኦ" ዝብል ካብ ስክፍታን ሻቕሎትን ዝነቅል ክትዓት፡ ዳርጋ ኣብ ነብሲ ወከፍ ንሳዋ ክወርዱ ዝኽእሉ መንእሰያት ዘብጽሑ ስድራ-ቤታት ይስማዕ ነይሩ።

ስለዝኾነ ማዕከናት ዜና መንግስቲ [ካልእ ብሕታዊ ሚድያ እውን ኣይነበረን ሽዑ] ድምጺ ሓፋሽን ጋዜጣን ንኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝድግፍ ሓተታን ንዕኡ ዝድርዕ ርእይቶታትን የአንግዳ ነበራ።

ኣብ ሓምለ 1994 ከኣ መንእሰያት ከተማ ኣስመራ፡ በብዞብኦም ንሳዋ ዝኸድሉ ዕለት ተሓቢሩዎም፡ ሻንጣታቶም ዝተሓንገጡ መንእሰያት፡ ደቀን ዘፋንዋ ስድራ-ቤታት፡ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ፈተውትን መቕርብን፡ ካብ እስታድዩም ኣስመራ ክነቕሉ ኣዕለቕለቑዋ።

ድምጻዊ ካሕሳይ በርሀ፡ "ጻውዒት ሃገር ንምኽባር - ሕድሪ ሰማእታት ንምትግባር ከይትድፈር ክሕልዋ መንእሰይ ነቐለ ንሳዋ ሳዋ እየ ሳዋ!" ክብል ዘዜሞ ዜማ፡ ብመጉልሒ ድምጺ እናነጎደ ንኸባቢ እስታድዮም ኣወዓወዖ።

ኣብ ፈቐድኡ እቲ ቐጽርን ግዳምን፡ ጓይላ ተኺለን ዕምበባ እናነጸጋ ንደቀን ዘፋንወዋ ኣዴታት ብሕብራውን ባህላውን ክዳውንተን ነቲ ከባቢ ኣድመቐኦ።

ኣብቲ ከባቢ ከኣ ንመንእሰያት ጽዐዒነን ንሳዋ ክብግሳ ዝተቐረባ፡ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ካብን ናብን ግንባራት፡ ሰራዊትን ንብረትን ዘመላልሳ ዝነበራ ኣዴታት ዝስመያ፡ ስርሓት ጀርመን ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መርሰድስ እቲ ግንባርን ኣውቶቡሳትን ነቲ ኸባቢ አዕለቕሊቐኦ።

ንቐል ንቐል ኮይኑ፡ መንእሰያት አኣብ ዝተመደባሎም መካይን ተሰቒሎም፡ ደቀንስትዮ ኣብ ኣውቶቡስ፡ መብዛሕቶም ደቀ ተባዕትዮ ከኣ ኣብ ናይ ጽዕነት መካይን ደይቦም "ሃገር ከይትድፈር ክሕልዋ - መንእሰይ ነቐለ ንሳዋ" ኢሎም እናደረፉ ብመገዲ ኣስመራ - ከረን ንሰሜን መረሹ።

Image copyright RUFAEL FISEHATZION
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣባል ቀዳማይ ዙርያ ሩፊኤል ፍስሃጽዮን

ኣባላት ቀዳማይ ዙርያ፡ ወዶም ጓሎም፡ ብዛዕባ እቲ 25 ዓመቱ ዘትመመ እዋን ዝተፈላለየ ዝኽሪ ኣለዎም። ሓደ ካብ ኣባላት ቀዳማይ ዙርያ መንእሰይ ኣሚር ዮውሃንስ ብዛዕባ'ቲ ርብዒ ዘበን ዘትመመ እዋን ልክዕ ትማል ከም ዝተፈጸመ እዩ ዝዝክሮ።

" መንእሰያት ከተማ ኣስመራ በብዞባና ክንብገስ ስለዝተነግረና እቶም ኣስታት 10 ሽሕ እንኸውን መንእሰያት እናደረፍና ኣብ ሰለስተ መዓልታት ኢና ወሪድና። ኣብ ሳዋ ዋላኳ ዝተቐረበ ነገር እንተዘይጽንሓና ኣይሰንበድናን። ባዕላትና ኢና መንበሪና ኣጣጢሕና!" ይብል ኣሚር።

ነቲ ሽዑ ዝነበረ ኒሕን ሓቦን መዘናታቱ እናድነቐ። ሩፋኤል ፍስሓጼን እውን ብተመሳሳሊ ስምዒት፡ " ንሳዋ ክትወርዱ ኢኹም ምስተባህለ ዳርጋ ኩላትና መንእሰያት ኣስመራ ብፍታውና ኢና ተቐሪብና" ብምባል እቲ፡ 'ንሃገርና ክንገብረላ ኣሎና' ዝብል ሽዑ ዝነበረ ውዕዉዕ ሃገራዊ መንፈስን ስምዒትን ይዝክር።

ዮናስ ገዛኢ እውን፡ "ህዝቢ ኤርትራ ብረፈረንዱም፡ ንናጽነት ኣድሚጹ፡ ወግዓዊት ሕጋዊት ሃገር መስሪቱ፡ ሕድሪ ሰማእታቱ ብምኽባር፡ ብኹለንትንኡ ሃገር ክሃንጽ እጅግኡ ዝሰብሰበሉ እዋን ስለዝነበረ" ዳርጋ ኩሉ ሰብ ብፍቓዱ እዩ ተበጊሱ" ብምባል ልክዕ ከም ብጾቱ ነቲ ዝነበረ ሃዋሁው ይዝክር።

ኣብ ብዙሕ ተመኩሮ፡ እቶም ፈለማ ናብ ህንጸትን ልምዓትን ዝወፍሩ መንእሰያት ኩሉ ነገር ተቐሪቡ ኣይጸንሖምን እዩ። ስለዚ ባዕላቶም እዮም ነቲ ዝነብሩሉ መዓስከርን ዝሰርሕሉ ኣከባብን ዝቕይሩዎ።

ዳርጋ ዝበዝሑ ተዓለምቲ ኣባላት ቀዳማይ ዙርያ ካብ ከተማ ኣስመራ ዝነቐሉ፡ ብዙሓት ካብኦም ካብ ከተማ ወጺኦም ዘይፈልጡ ብምንባሮም ዝሸገሮም ከምዝነበሩ እዞም ርእይቶኦም ዘካፈሉ ተዓለምቲ ቀዳማይ ዙር ይገልጹ።

ሓያሎ ካብቲ ብዙሕ ቁጽሪ፡ ነቲ ኣብ ሕዳር 1991 ዝተኣወጀ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተቐቢሎም፡ ኣቐዲሞም፡ ኣብ ዝተፈላላየ ርሑቕ ገጠራት ከይተረፈ ከይዶም፡ ኣብ ጉዳይ ዜግነትን ረፈረንዱምን ኣገልጊሎም ብምንባሮም፡ ንሳዋ ክወርዱ እንከለው ናብራ በረኻ ኣይጸገሞም።

እቶም ካብ ኣስመራ ወጺኦም ዘይፈልጡ ግን ዝተቐበሎም መዓስከር እኹል መዕቆብን መጽለልን ዘይተተኽሎ ብምንባሩ፡ ቁሩብ ከቢዱዎም ምንባሩ ንተመኩሮኡ ብምጥቃስ ኣሚር ይዛረብ።

Image copyright RUFAEL FISEHATZION
ናይ ምስሊ መግለጺ ሩፊኤል ፍስሓ'ጽዮን፡ ካብ ጸጋም ሳልሳይ

"ነቶም ካብ ኣባሻውል ኣስመራን ዕዳጋ ዓርብን ዝኸድና ልዕሊ እቲ ቀረብን መግብን እቲ ታህዱድ ዝተሓወሶ ወተሃደራዊ ትእዛዝ እዩ ከቢዱና" ይብል ኣሚር፡ ካብኡ ናብኡ እውን እቶም ካብ ርኹባት ስድራ ዝመጽኡን ምስ ድኽነት እናተቖራቖሱ ዝዓበዩን እውን ፍልልይ ከም ዝነበሮም ብምርዳእ።

ዮናስን ሩፋኤልን እውን ተመሳሳሊ ርእይቶ እዩ ዘለዎም። ልዕሊ እቲ ክብደት መነባብሮ፡ እቲ ጽልኢ ዝተሓወሶ ዝመስል ሃዳዲ ወተሃደራዊ ትእዛዝን ቁጽጽርን ከም ዘሰንበዶም ይዛረቡ።

"በቲ ዘጋጠመና ታህዲድን ምፍርራሕን ዳርጋ ክንቅጻዕ ዝመጻእና ኮይኑ እዩ ዝስመዓኒ ነይሩ። ኩሉ ነገር ብታህዲድ እዩ ነይሩ። ስለዚ ኣብ መንጎ ዓለምትን ተዓለምንት ቀልጢፉ ግጭትን ህልኽን ማዕቢሉ። ብሰንኪ'ዚ ከኣ እቲ ናይ ታዕሊም ኣዋርሕ ኣዝዩ መሪር ነይሩ" ክብል ይገልጾ።

ወተሃደራዊ ታዕሊም ብባህሪኡ ከቢድ እዩ። ምኽንያቱ ብጸቢብን ከቢድን ዘይሓለፈ ወተሃደር ንኹሉ ብደሆታት ክጻወር ስለዘይክእል ሽግርን መከራን ጥሜትን ጽምእን ክጸውር ክኽእል ኣለዎ።

እቲ ካብ ኣስመራ ዝወፈረ መንእሰይ ግን፡ ሃገር ክሃንጽ እምበር ብኸቢድ ወተሃደራዊ ታዕሊም ተፈቲኑ ከምዝሰሓል ዝፈለጠን ዝተቐረበን እንተነይሩ ውሑድ ጥራሕ ነይሩ ክኸውን ዝኽእል ይብሉ እቶም በቲ ተመኩሮ ዝሓለፉ።

"ምረቱን ጽኑዕ ምሕደራን እቲ ወተሃደራዊ ታዕሊም ብዘየገድስ፡ እቲ ሕድሪ ሰማእታት ከኽብር ዝወፈረ መንእሰይ ንኹሉ ብደሆታት መሊኹ፤ ኣብ ሳዋ ተሳሒሉ ንሳምንታት እግሪ ጉዕዞ ተጓዒዙ ታዕሊሉ ዛዚሙ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት ናይቲ ግንባር ተሳቲፉ ንዓመት ኣገልጊሉ እዩ ይብል" ኣሚር ንመተዓልምቱን ድሕሪኡ ዝቐጸሉ ዙርያታት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ልዑላውነት ንኽዕቅቡ ዝኸፈሉዎ ከቢድ መስዋእትን ኣብ ልምዓት ንዝገበሩዎ ኣበርክቶን ብምድናቕ።

ሩፋኤል ፍስሓጼን እውን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ ኩሉ'ቲ ዘጋጥሞም ዝነበረ ኣተሓሕዛን ኣልያን፡ ምእንቲ መገጎ ከምዝበሃል ምእንቲ ሃገር እናበሉ ኣብ ኩሉ ዝተመደብሉ ዓውድታት እቲ ካብኦም ዝተሓተተ ዘበለ ከምዝፈጸሙ እዩ ዝሕብር።

"መንግስቲ ግን ነቲ ሃገር ንምግልጋል ልዑል ድሌትን ተወፋይነትን ዝነበሮ መንእሰይ ብዝግባእ ኣይተጠቕመሉን። በንጻሩ ብሰንኪ ድኹም ምሕደራን ኣልያን ሃገሩ ገዲፉ ከም ዝነፍጽ ገይሪዎ" ይብል ዓቢ ሃገራዊ ዕድል ከምዝተኸስረ እናተሰመዖ።

ሃገራዊ ኣገልግሎት ዋላ'ካ ሕጽረታት ቀረብ መነባብሮን ጸቢብ ኣተሓሕዛን ጽኑዕ ድሲፕሊንን እንተነበሮ፡ ኣብ ብዙሓት ዘገልገሉ መንእሰያት ግን ሃገራዊ ፍቕርን ምክብባርን ፈጢሩ እዩ ይብል ብዛዕባ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ሰፊሕ መጽናዕቲ ብምክያድ መጽሓፍ ዝጸሓፈ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ።

ኣብቲ ናይ መጽናዕቲ መሕትት ዝተሳተፉ ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ እቲ ዝምረር ምሕደርኡ ገዲፍካ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ኣባላት ሕብረተሰብ ኤርትራን ዝተፈላለዩ ብሄራትን ኣላልዩ፡ ጽኑዕ ሃገራዊ ስምዒት ከምዝፈጠረሎም እዮም ዝዛረቡ።

መንእሰይ ዮናስ ገዛኢ እውን፡ ኣብቲ ዝተሳተፎ ቀዳማይ ዙር፡ ንመጀመርታ ግዜ ካብ ገዝኡ ወጸኡ፡ ኣብ ሓንቲ ቴንዳ ምስ 20 ዝኾኑ ኣባላት ተሳኒንዩ፡ ጠባይ ሓድሕድ ተፋሊጡን ተኸባቢሩን ብወተሃደራዊ ድስፕሊን ተቐይዱ፡ ምስ መተዓልምቱ ፍቕርን ሕውነትን ከም ዘጥረየን ፍቕሪ ስራሕ ከም ዘማዕበለን ይዛረብ።

ልዕሊ ኩሉ ግን ይብል ዮናስ "ነቲ ከም ከኣሊ ኩሉ ዝረአ ዝነበረ ተጋዳላይ ብቐረባ ክፈልጦን ከነለልዮን እውን ሓጊዙኒ እዩ" ብምባል፡ ብዛዕባ ተጋደልቲ ዝነበሮ ሚዛን ክኽልስ ከም ዝሓገዞ ይዛረብ።

ብርሃነ እውን ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ ብዙሕ ሕጽረታቱን ናይ ምሕደራን ኣልያን ድኻማቱ ኣሽሓት መንእሰያት ብምዕላም ልዑላውነት ሃገር ከም ዘውሓሰ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንብይን ኮሚሽን ዶባት ተቐቢሉ ከይትግብሮ ስለዝሓንገደን ኩለን እተን ኣውሓስቲ ዝበሃላ ሃገራት ስለዘጽቀጣን ከም ዝተናውሐ ብምዝኽኻር፡ ብምኽንያት እቲ ምንዋሕ ንመንግስቲ ኤርትራ ጥራሕ ምውቃስ ፍትሓዊ ከምዘይኮነ ይዛረብ።

ብሰንኪ'ቲ ብወጥሪ ዶባት ዳርጋ ንኽልተ ዓሰርተ ዓመታት ዝተመጠ ንቡር ናይ ግዜ ደረቱ ዝሓለፎ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምኽንያት ስደትን ፍልሰትን መንእሰያት ምዃኑ ብዙሓት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እየን ዝዛረባ።

መንግስቲ ኤርትራ ግን ብተደጋጋሚ እቶም ኣውሓስቲ ነቲ ዝሓንገደ ወገን ኣብ ክንዲ ጸቕጢ ዝገብርሉ ስለዘሐንቀቑዎ እዩ እቲ ኹሉ ስዒቡ በሃላይ እዩ።

ኩሎም እዞም ዝኽርታቶም ዘካፈሉ ኣባላት ቀዳማይ ዙር ሃገራዊ ኣገልግሎት ከኣ ኩሎም፡ ኣብ ኩናት ዶባት ተጸዊዖም ናብ ሰራዊት ምስ ኣተው ካብ ካብ ሸውዓተ ክሳብ ዓሰርተ ዓመት ዘገልገሉ እዮም። ዳሕራይ እቲ ግዜ ምስነውሐን ምሕደራ ምስ መረረን ግን ሃገር ገዲፎም ክወጽኡ ከምዝተገደዱ ይዛረቡ።

ብምሕደራን ንውሓት ግዜን ተማሪሮም ክነሶም ግን፡ ኤርትራ ንእሽቶ ሃገር ስለዝኾነት እውን ብህዝቢ ዝተመርጸ ብቕዋም ዝመሓደር ስርዓት ምስተኸለት ብስነ-ፍልጠታዊ ኣገባብ ዝካየድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ዘድልያ ይሰማምዑ።

ተወሳኺ ዛንታ