15 መናእሰይ ኢሮብ ኣብ ባሕሪ ሞይቶም

ኣብ ወረዳ ኢሮብ

ደቂ ጣብያ እንዳልጌዳ ኢሮብ ዝኾኑ 15 መናእሰይ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ከምዝሞቱ ኣመሓዳሪ እታ ጣብያ ኣይተ ብርሃነ ኣውዓላ ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ።

ኣይተ ብርሃነ፡ ካብቶም 15 መናእሰይ እተን 9 ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾናን ኩሎም ደቂ ሓንቲ ጣብያ ምዃኖም'ውን ሓቢሩ'ሎ።

እቶም ብሊብያ ኣቢሎም ሜዲትርያንያን ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ጣልያን ክሰግሩ ዝፈተኑ 19 መናእሰይ ከምዝነበሩን ካብ መንጎኦም ኣርባዕተ ከምዝደሓኑን ሓበሬታ ረኺብና ኣለና ይብል።

እቶም መናእሰይ ካብቲ ከባቢ ወፂኦም ኣብ ዓዲግራትን ካልኦት ከተማታትን ካብ 10ይ ክሳብ 12 ክፍሊ ዝመሃሩ ዝነበሩ ምዃኖም እውን ኣይተ ብርሃነ ይዛረብ።

ሎሚ መዓልቲ፡ ዝኽሪ ስነ ስርዓት ቀብሪ ብሓባር ኣብ ጣብያ እንዳልጌዳ ንምፍፃም ተሓሲቡ ከምዘሎ ምፍላጥ ተኻኢሉ።

'ብኣቋራፂ መንገዲ' ክሓልፈሎም ከምዝኽእል ብደለልቲ ተነጊርዎም ዝኸዱ መናእሰይ: ኣብ ሊብያ ተታሒዞም ክልተ ሰለስተ ግዜ ከምዝሽየጡን ነዚ ድማ ወለዶም ካብ 200 ሽሕ ክሳብ 300 ሽሕ ቅርሺ ክኸፍሉ ከምዝግደዱን እቲ ኣመሓዳሪ የረድእ። መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ: ብሞት እቶም መናእሰይ ዝተሰመዖ ሓዘን ብምግላፅ ንስድራ ግዳያት ፅንዓት ይሃብኩም ኢሉ'ሎ።

Image copyright Reuters

ካብ ወረዳ ኢሮብ መናእሰይ ናብ ስደት ብበዝሒ ከምዝውሕዙ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ከባቢ 1994 ዓ.ም ካብ ጅቡቲ ንየመን ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ 14 መናእሰይ ኣብ ባሕሪ ጣንዮም ከምዝሞቱ ይዝከር።

ኣብዚ ዓመት ድማ 28 መጋቢት 2011 (ኣ.ኢ) ካብ ጅቡቲ ንስዑዲ ዓረብ ትጓዓዝ ዝነበረት ጃልባ ተመሳሳሊ ሓደጋ ገጢሙዎ፡ ካብ 60 ንላዕሊ ተጋሩ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ምጽብጻብና ዝዝከር እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት