ዓለባ 'ደብረጽዮን' ንምንታይ ልዑል ጠለብ ረኺቡ?

ደብረጽዮን ዝተሰመየ ዓለባ ኣሸንዳ [እቲ ማእኸለዋይ ቀይሕ ሕብሪ]
ናይ ምስሊ መግለጺ ደብረጽዮን ዝተሰመየ ዓለባ ኣሸንዳ [እቲ ማእኸለዋይ ቀይሕ ሕብሪ]

መብርሂት ገብረ ንበዓል ኣሸንዳ "ዓባይ መዓልቲ ናጽነተይ" ክትብል ትገልጻ። ኣብ ግዜ ቁልዕነታ ካብ ዘሕለፈቶም በዓላት ኣሸንዳ ነተን ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ዝተኸበራ ብዝያዳ ትዝክረንን ተስተማቕረንን።

"ቅድሚኡ ቆልዓ ስለዝነበርኩ፡ ሱቕ ኢለ ይጻወት እምበር ብዙሕ ተዘክሮታት የብለይን። ድሕሪ 16 ዓመተይ ዝሕለፍክወን ግን ብጣዕሚ ይዝክረን" ትብል።

ምስ መሓዙታ ብፍቕርን ብታሕጓስን ዘሕለፈተን ዓመታዊ በዓላት ኣሸንዳ ብፍላይ "ዓመት መጸ ሓድሽ ክዳን መጸ" ንዕኣ ፍሉይ ስምዒት ከም ዝፈጥረላ ትዛረብ።

"ነዓይን መታዕቢተይን ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዘሕስብናን ድምቀት በዓል ኣሸንዳ ዝኾነናን፡ 'ሎሚ ዓመት'ከ እንታይ ዓይነት ክዳን ክመጽእ ይኸውን?' ዝብል እዩ። ሓድሽ ዓይነት ዓለባ ምስ ሓደሽቲ ዓይነታት ሕብርን ቅዲ ኣሰፋፍያን ስለዝመጽእ፡ ኣየናይ ክንመርጽ ከምዘለና ንጽገም" ክትብል ተዘክሮኣ ትገልጽ።

ምስ መሓዙታን መተዓቢታን ተመሳሳሊ ዓይነት ክዳን ክኸደና ስለዘለወን ናብ ተመሳሳሊ ምርጫ ንምምጻእ ይጽገማ ነይረን። ድልየታተን ስለዝፈላለ ኣብ ሓደ ውሳነ ንምብጻሕ ግዘ ይወስደለን።

"ኣብ መወዳእታ ግን ተመሳሳሊ ክዳን ኣቕዲድና ክስፈ ምግባርና ኣይተርፍን ነይሩ። እቲ ንምምራጽ ዘጸግመልና ግን ብፍላይ ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ዓይነት ጨርቂ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ክዳውንቲ ዝወሃብ ኣስማት'ውን እዩ። ዝተፈላለየ ስም ዘለዎ ክዳውቲ ስለዝመጽእ 'እዚ ይሕሸና እዚ'ባ' ንበሃሃል" ትብል።

መራጺ ዓለባ ኣሸንዳ መን እዩ?

መብርሂት እቲ ክዳውንቲ ኣብ ዕዳጋ ምስቀረበ ንምምራጽ ትጽገም እምበር፡ ዓይነታት ክዳውንቲ ኮነ ኣስማት መን ከምዝመርጽ "ዝፈልጦ ነገር የለን" በሃሊት'ያ።

ጀማል ወሃቢ ረቢ ኣብ ከተማ መቐለ ዕዳጋ ዓዲ ሓቂ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስፌት ክዳን ዝተዋፈረ በዓል ሞያ እዩ። በዓል ኣሸንዳ ጽቡቕ ዕዳጋ ዝርከበሉ እዋን ከም ዝኾነ ይዛረብ።

ኣሸንዳ ብዝመጽአት ቁጽሪ ዕዳጋ ዘምጽኦም ዓይነታት ክዳውንቲ ብመሰረት ምርጫ ቆልዑ ኣሸንዳ እናሰፈየ የቕርብ። እቶም ኣጭርቕቲ ብነጋዶ አስማት ከም ዝወሃቦም ይዛረብ።

የማነ'ውን ኣብ ዕዳጋ ዓዲ ሓቂ ብስፌት ክዳን ዝመሓደር መንእሰይ'ዩ። ንበዓል ኣሸንዳ ብዝተዳለዉ ዓይነታት ክዳውንቲ ኣብ ዝተመልአት ገዝኡ ሃይሃይታ ስራሕ ኣሎ።

"ክዳን ኣሸንዳ በቲ ኣብ ስፌት ዘሎ በዓል ሞያ'ዩ ስም ዝወሃቦ። ንኣብነት ኣብዚ ሎሚ ዓመት ባንዴራ ትግራይን ኢትዮጵያን ዘለዎም ክደውንቲ ቀሪቦም ኣለዉ።

ዝተፈላለዩ ስማት ዝተወሃቦም ኮይኑ ንኣብነት ደብረጽዮን ዝበሃል ኣሎ" ክብል የረድእ።

ነጋዶን ሰፈይትን ንኹነታትን ፍጻመታትን መሰረት ብምግባር ንኽዳን ኣሸንዳ ኣስማት ከምዘውጽኡ ብምሕባር፡ ናይዚ ቀንዲ ዕላማ ድማ ጠለብ ንኽውስኽ ምግባር ከምዝኾነ ይገልጽ።

"ንኣብነት ሎሚ ዓመት ደብረጽዮን ዝብል ስም ዝተወሃቦ ጨርቂ ብዙሓት ይዕድግኦ ኣለዋ። ዓማዊል 'ኣየናይ እዩ ዶክተር ደብረጽዮን?' እናበላ ይሓታና'ሞ ምስኣቕረብናለን ይወስድኦ" ይብል።

ምኽትል ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ዘነቡ ሓለፎም'ውን እቶም በቢዓመቱ ዝቐርቡ ዓይነታት ክዳንን አስማትን ንዕዳጋ መሰረት ብምግባር ከምዝውሰን ትዛረብ።

"ውድድር ስለዝኾነ ንኽሽየጠሎም ኣብቲ ወቕቲ 'እንታይ ተደማጺ ነገር ኣሎ? ብኸመይ ቀልቢ ክንስሕብ ንኽእል?' ብዝብል ዝገብርዎ እዩ።" ክትብል ተረድእ።

ወይዘሮ ዘነቡ፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ናብ ኢትዮጵያ ዝመጽኣሉ ሓደ እዋን ብኣብነት ተልዕል። "ሽዑ 'ኦባማ' ዝብል ስም ዝተወሃቦ ክዳን ተፈታዊ ንክኾነሎም'ዩ" ትብል።

ብድሕሪኡ ከም 'ቃና' [ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝፍነዉ ጣብያታት ተሌቪዥን ሓደ ዝኾነ] ዝበለን ካልኦትን ስም ከምዝተወሃበ ተዘኻኽር።

ኣሸንዳ 2010 ከመይ ተብዓለ?

ኣሸንዳ፡ ብፍሉይ ንምንታይ ናይ ደቂ ኣንስትዮ በዓል ኮይኑ?

ንዓመታ፡ በዓል ኣሸንዳ ምስ አሕዋት ኤርትራ

"በዓል ኣሸንዳ ክበሃል ከሎ ካብ ትውፊታቱ ሓደ ባህላዊ ትሕዝቶታቱ'ዩ። ካብቲ ባህላዊ ትሕዝቶታት ከኣ ክዳውንትን መጋየጽታትን'ዩ። ከም ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን 'ኣሸንዳ በብዓመቱ ዝቀያየር ፋሽን ከምዘይኮነ ኢና ንኣምን። ባህላዊ መቦቆሉ ሓልዩ ክዕቀብ ኣለዎ" ክትብል ነቶም ካብ ዓመት ናብ ዓመት ዝቀያየሩ ኣልባሳትን ኣስማትን ትነቅፍ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ካብ ዓለባታት ኣሸንዳ ሎምዘበን

"… ክሳራ ኣጋጢሙና'ሎ"

ኣሸንዳ ንዘመናት ብባህላዊ ክዳውንቲ ማለት ብዓለባ ዓዲ እናተኸበረ ዝመጽአ ባህሊ ከም ዝኾነ ብምሕባር፡ "ዓለባ ዓዲ ክንብል እከለና ሓደ እቲ ጥበብ ናትናን ካብ ዉልድ ወለዶ እናተሰጋገረ ዝመጸ ስለዝኾነ ካልኣይ ከኣ ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ምፍጣር ስለዝኸውን'ዩ" ክትብል ኣረዲኣ።

ንሳ ከም እትብሎ፡ እቲ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ዝግበር ምቅይያር ዓይነታት ክዳውንትን ኣስማትን በዓል ኣሸንዳ ቀጻሊ ብዝኾነ መገዲ ተመሳሳልነት ብዘለዎ ኩነታት ንኸይክበርን ናብ ወለዶ ከይሰጋገርን'ዩ ዝገብር።

ቆልዑ ኣሸንዳ ነቲ ዓለባ ዓዲ ክኸደንኦ ብቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ጎስጓስ ከም ዝካየድ ትገልጽ።

ኣብ ስፍየት ክዳን ዝተዋፈሩ ጀማልን የማነን በዓል ኣሸንዳ ባህላዊ ትውፊታቱ ዓቂቡ ክቕጽል ከምዘለዎ ይኣምኑ። ኣዴታት ዓለባ ዓዲ እናተኸደና ነቲ በዓል የድምቓ ምንባረን'ውን ይዛረቡ።

ንዝሓለፉ ዓመታት ናብ ዕዳጋ ብዘቕርብዎም ዓይነታት ክዳን ኣሸንዳ ጽቡቕ ኣታዊ ይረኽቡ'ኳ እንተነበሩ፡ ኣብዚ ዓመት ግን ናብ ክሳራ ከምዝኣተዉ ይገልጹ።

የማነ " እቲ ባህላዊ ክዳውንቲ ንመንነትካ ስለዝገልጽ ጽቡቕ'ዩ። ይኹን'ምበር ኣቐዲምካ እንተዝስርሓሉ ዝሓሸ ምኾነ ነይሩ። ሎሚ ዓመት ኣብ ክሳራ ኣቲና'ለና። ሰለስተ ኣርባዕተ ጣቓ [ጥቕላል ዘይተሰፈየ ጨርቂ] ኣብ ኢድና ተሪፉ" ይብል።

ጀማል ብወገኑ " እቲ ብፋብሪካታት ዝፈሪ ጨርቂ ኣብ ካልእ እዋን ምኽዳን ይከኣል'ዩ። ኣብ ኣሸንዳ ግን ባህላዊ ክዳን'ዩ ክኸውን ዘለዎ። ሎሚ ዓመት ግን ኣሸንዳ ቁሩብ መዓልታት ምስተረፎ ብሚድያ ጎስጓስ ብምክያድ ባህላዊ ጥራይ ተኸደና ስለዝተበሃለ ዕዳጋ የለን" ክብል ተዛሪቡ።

ምኽትል ሓላፊት ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ወይዘሮ ዘነቡ፡ ዓሚን ቅድሚ ዓምን ምስ ኣምጻእቲ ክዳን፣ ኣለምቲ ሰፈይትን ዲዛይነራትን ምርድዳእ ተገይሩ ብምንባሩ፡ ኣብዚ ዓመት ዝተሰርሐ ናይ ግንዛበ መዕበዪ ስራሕ ከምዘየለ ሓቢራ።

"ሎሚ ዓመት ክሳብ ፍርቂ ሓምለ በቲ ልሙድ'ዩ [ብዝተገበረ ምርድዳእ መሰረት] እናኸደ ነይሩ። ኣብ ሞንጎ ግን ብሽፎናት ከዕለቕልቕ ጀሚሩ። ነጋዶ ነቲ ሕዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ተገንዚቦም ንስምዒት ህዝቢ ኣብ ግምት ብምእታውን ዘምጽእዎ እዩ" ኢላ።

እቶም ነጋዶ ነዚ ምግባሮም ከም ጌጋ ዝቑጸር ዘይምዃኑ ዝሓበረት ወይዘሮ ዘነቡ፡ ኣሸንዳ ብመሰረት እቲ ንቡር ባህሊ ክኸበርን እዞም ሕዚ ኣብ ዕዳጋ ቀሪቦም ዘለዉ ሽፎናት ድማ ኣብ ካልእ እዋን ምጥቃም ከም ዝከኣልን ገሊጻ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ምፅብባቕ ጓል ኣሸንዳ

ተመሳሳሊ ዛዕባታት