ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ምስ ጋንታ ካኖ ስፖርት ኣብ ስታድየም ትግራይ ሎሚ ክትራኸብ'ያ

ጋንታ መቐለ Image copyright MICHAEL TEWELDE

ኣብ ናይ 2011 ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ሻምፒዮን ብምዃን ዋንጫ ዝወሰደት ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ፡ ፅሎሚ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ምስ ጊኒያዊት ጋንታ ካኖ ስፖርት ኣብ ስታድየም ወሳኒ ጸዋታ ክተካይድ'ያ።

ጋንታ ኩዕሶ እግሪ መቐለ 70 እንደርታ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ሻምፒዮን ብምዃን ዋንጫ ክትወስድ ዝኸኣለት ኣብ ናይ መወዳእታ ግጥም ንጋንታ ድሬዳዋ ከነማ ብምስዓራ ምንባሩ ይዝከር።

በዚ መሰረት ንኢትዮጵያ ብምውካል ኣብ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣፍሪቃ ትሳተፍ ዘላ ኮይና፤ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ናብ ጊኒ ተጓዒዛ ምስ ጋንታ ካኖ ስፖርት ኣብ ዝገበረቶ ግጥም 2 ብ 1 ብዝኾነ ውፅኢት ስዕረት ኣጋጢምዋ'ዩ።

ምድላው

እታ ጋንታ ብድሕሪ'ቲ ምስታ ሻምፒዮን ፕሪምየር ሊግ ሃገረ ጊኒ ዝኾነት ጋንታ ካኖ ስፖርት ዝገበረቶ ቀዳማይ እግሪ ጸዋታ፡ ንዝሓለፈ ንክልተ ሰሙን ልምምዳ ክተካይድ'ያ ጸኒሓ። ደገፍቲ'ውን ኣብ ስታድየም እናተረኸቡ ንተጻወትቲ ከተባብዑ ቀንዮም።

ቀዳም ናይ መወዳእታ ልምምዳ ዘካየደት ኮይና፡ ነቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዘጋጠመ ጸቢብ ስዕረት ጽባሕ ብዝካየድ ግጥም ንምክሕሓስ ከም ዝተዳለዉ ዘዘራረብናዮም ተጻወትቲ ገሊጾም።

ኣብ ክፍሊ ምጥቃዕ ዝስለፍ ያሬድ ብርሃኑ፡ "ካብ ዝተመለስናሉ እዋን ጀሚሩ ነዚ ጸዋታ ምድላው ክንገብር ቀኒና ኢና። ብምሉእ ብቕዓት ተዳሊና'ለና" ኢሉ።

ነቲ ዘጋጠሞም ስዕረት ኣብ ቅድሚ ደገፍቲ ብሰፊሕ ኣፈላላይ ዓወት ብምርካብ ነቲ ውጽኢት ከም ዝቕይርዎ ድማ ተዛሪቡ።

ንጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ኣብ ክፍሊ ምክልኻል ዝስለፍ ኣንተነህ ገብረክርስቶስ ብወገኑ፡ ኩሎም ተጻወትቲ ካብ ኣሰልጣኒ ንዝወሃብ መምርሒን መስርሕ ስልጠናን ብምፍጻም እኹል ምድላው ከምዝገበሩ ሓቢሩና።

"ኣብቲ ምስ ጊኒ ዝነበረና ጸዋታ ትጽቢትናን ዘጋጠመናን ዝመሳሰል ኣይነበረን። ስምዒታውነት ዝተመልኦን ቅልጡፍ ዝኾነን ኣጸዋውታ ብምሓዝ'ዮም ናብ ሜዳ ኣትዮም። ኣባና ድማ ቁሩብ ምዝሕሓል ነይሩ፤ ነዚ ብምምሕያሽ ንናይ ጽባሕ ግጥም ተዳሊና ንርከብ" ኢሉ።

ዓወት ንምርካብ ዘኽእል ስልትታትን ኣንፈታትን ብኣሰልጣኒ ክወሃቦም ምቕናዩ ዝዛረብ ኣንተነህ፡ "ኣብ ሜዳናን ኣብ ቅድሚ ደገፍትናን ዝካየድ ብምዃኑ ድማ ዝሓሸ ዕድል ክህልወና'ዩ" ክብል ኣረዲኡ።

ኣሰልጣኒ ገብረመድህን ሃይለ ተጻወትቱ ብስምዒትን ስነልቦናን ደረጃ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ብምሕባር፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ካብ ሜድኦም ወጻኢ ካብ ዘካየድዎ ጸዋታ ዝረኸብዎ ተሞክሮ ነቲ ጽባሕ ዝግበር ግጥም መሰረት ዝኸውን እታወታት ከምዝረኸቡሉ ተዛሪቡ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኣሰልጣኒ ገብረመድህን ሃይለ

"ዋላ'ኳ እቲ ጋንታ ኣብ ሜድኡ እንተሰዓረና፡ ሕዚ ግን ኣብ ሜዳና ክንስዕር ኢና ዝብል እምነት ኣለና። እዚ ክብል ከለኹ ንዘካየድናዮ ልምምድ መሰረት ብምግባር'ዩ። ክንጥንቀቕ ግን ግንድ'ዩ ምኽንያቱ ሓደ ሸቶ እንተቑጺሮም ብጣዕሚ ኣጸጋሚ'ዩ ክኾነና" ክብል ኣብሪሁ።

ጸዋታ ካብ ዝጅመር ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ሸቶ ብምቑጻር ነቲ ውጽኢት ሒዞም ክወጽኡ ምድላው ምግባሮም ብምግላጽ፡ ብፍላይ ኣብ ኣወዳድኣ ዝረአ ክፍተት ንምዕባስ ትኹረት ዝገበረ ስልጠና ከምዝተወሃበ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"ኣብቲ ቀዳማይ እግሪ ጸዋታ ኣብ ተጻወትትና ዘሕለፎ ነብሰ ምትእምማን ስለዝነበሮም [ንተጻወትቲ ካኖ ስፖርት] ይንዕቕዎም ነይሮም። ጸገም ትኹረት'ውን ነይርዎም። ንሱ ዝፈጠሮ ጌጋ ድማ ሸቶ ተመዝጊቡና'ዩ። ሕዚ ግን ከምኡ ኣይክፍጠርን" ኢሉ።

ብቀደም ኣብ ዝተገበረ ልምምድ ኣብ ስታድየም ትግራይ ዝረኸብናዮ ደጋፊ'ታ ጋንታ ገብረመድህን ካሕሳይ መቐለ 70 እንደርታ ተዓዊታ ከም እተወጽእ ዘለዎ ትጽቢት ገሊጹልና። "እቲ ሕዚ ዘሎ ጻዕሪ ተጻወትቲ ብዕቱብ ምንቅስቓስ ዝተዓጀበ ስለዝኾነ ዓብዪ ውጽኢት እየ ዝጽበ" ኢሉ።

Image copyright MICHAEL TEWELDE

ገብረመድህን: ኣብ ጊኒ ምስ ካኖ ስፖርት ኣብ ዝነበረ ግጥም ዘይተጸብዮ ውጽኢት እንተተመዝገበ'ኳ ኣብቲ ናይ ጽባሕ ግጥም ግን ጋንታ መቐለ 2 ብ 0 ተዓዊታ ከም እትወጽእ ግምቱ ሂቡ።

"ኣብ እዋን ልምምድ ብዘርእይዎ ዘለው ምንቅስቓስ ተዓዊቶም ከም ዝወጽኡ ዋላ ሓደ ጥርጥር የብለይን። ብፍላይ ካብ ኣማኑኤል ገብረሚካኤል [ኣጥቅዓይ] ሸቶ ትጽቢት ንገብር" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ስታድየም ትግራይ - ኣብ ፈላማይ ዓለማዊ ግጥም

ኮንፈዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ - ካፍ: እቲ ገና ህንጽቱ ዘይተዛዘመ ስታድየም ትግራይ ዓለማዊ ውድድር ንምእንጋድ ኣብ ዘኽእሎ ደረጃ ንኽበጽሕ ዝተርፎ ነገራት ምህላው ብምሕባር ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ግዚያዊ ፍቓድ ሂቡ'ዩ።

ጽባሕ ሰንበት እቲ ስታድየም ጥራይ ዘይኮነስ ከተማ መቐለን ክልል ትግራይን ነቲ ጋንታታት መቐለ 70 እንደርታን ንጊኒ ዝወከለት ጋንታ ካኖ ስፖርትን ዝራኸባሉ ዓለም-ለኻዊ ግጥም ከእንግዳ ተዳልየን ኣለዋ።

ኣሰልጣኒ ገብረመድህን ከምዝበሎ እዚ ንፈለማ እዋን ኣብ ስታድየም ትግራይ ዝግበር ዓለምለኻዊ ጸዋታ ንትግራይ ከም "ዓብዪ ጸጋ" ዝቑጸር ክብል ይገልጾ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኣጥቀዓይ ያሬድ ብርሃኑ

"ንቑጠባውን ማሕበራውን ሓዊስካ ካልኦት ብዙሓት ረብሓታት ዝርከቦ'ዩ። ጽቡቕ ምስሊ ኣብ ምፍጣር'ውን ጽቡቕ ዕድል ይህብ። ጋንታና'ውን ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዓለማዊ ውድድር ትሳተፍ ምህላዋ ክልቲኡ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ'ሎ። ስለዚ ጽቡቕ ዓወት ብምርካብ ንህዝብና ክነሕጉስ ተዳሊና ኣለና" ኢሉ።

ተጻዋቲ ኣንተነህ ብወገኑ "ዓለም ለኻዊ ውድድር ኣብዚ ምክያዱ ነዓና ንተጻወትቲ ጥራይ ዘይኮነስ ንከተማና'ውን ዓብዪ ዕድል'ዩ። ንምሉእ ትግራይ ድማ ሓጎስ ዝፈጥር ኣጋጣሚ'ዩ" ክብል ገሊጹ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት