ኤርትራውያንን ኢትዮጵያንን ዝርከበብዎም ስደተኛታት ናብ ጥልያን ኣትዮም

ስደተኛታት ናብ ዓዲ ጥልያን ክኸዱ እናተዳለው Image copyright UNHCR

ኣብ ሕማቅ ኩነታት ዝነበሩ 98 ስደተኛታት፡ ትማሊ፡ ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ከም ዝተወስዱ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሓቢሩ።

እቶም ስደተኛታት ካብ ሃገራት ኤርትራ፤ ኢትዮጵያ፤ ሶማልያን ሱዳንን ኮይኖም፡ እቶም 52 ኣላዪ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ እዮም።

ሊብያ ኣብ ውግእ ሓድሕድ ተሸሚማትሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ይነብሩ ምህላዎምን፤ ኣብ መዳጎኒ ስደተኛታት ዘስካሕክሕ ህይወት ከም ዘሕልፉን ይግለጽ።

ካብቶም ናብ ዓዲ ጥልያን ዝተወስዱ፡ ካብ ሶማላዊት ስድራቤት ዝተወልደ ወዲ 7 ወርሒ ቆልዓ ይርከቦም።

ገለ ካበቶም ዝደተኛታት ንነውሕ እዋን፡ ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ስደተኛታት ከም ዝጸንሑ ጸብጻብ እቲ ትካል የመልክት።

ሓላፊ ትካል ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ፡ ጂን-ፖል ካቫልየር፡ "ሎሚ 98 ሰባት ውሑስ ናብ ዝኾነ ቦታ ወሲደና። እዚ ግና ውሑድ ቁጽሪ ናይቶም ብሓሽሓት ዝቑጸሩ ነዚ ሐገዝ ዝደልዩ እዮም። ኣስታት 3,600 ገና ኣብ መዳጎኒ ስደተኛታት ኣለው። ነዚኦም ከኣ ብዝቐልጠፈ መፍትሒ ክርከበሎም ኣለዎ" ኢሉ።

ወሲኹ፡ እቲ ትካል ስደተኛታት፡ ነዚ ተበግሶ ንዝወሰደ መንግስቲ ጥልያን ድሕሪ ምምስጋን ካልኦት ሃገራት'ውን ኣብነት ጥልያን ተኸቲለን፡ ሰብኣዊ ሓገዘን ከበርክታ ጸዊዑ።

ኣብ 2019፤ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ከባቢ 1,474 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ካልእ ውሑስ ቦታ ከም ዝዘሰጋገረ ሓቢሩ። ካብዚኦም 710 ናብ ኒጀር፡ 393 ናብ ዓዲ ጥልያን፤ እቶም ዝተረፉ ድማ ናብ ከናዳን ሃገራት ኤውሮጳን ተወሲዶም።

ካብ 2017 ክሳብ ሕጂ፡ ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም፡ 3,926 ሰባት ናብ ኒጀር (2,913)፡ ጥልያን (710) ሮማንያን (303) ግዒዞም ኣለው።

ክሳብ መስከረም 2019 ብሓፈሻ 48,122 ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ትካል ስደተኛታት ሊብያ ክምዝገቡ ከለው፤ 3,546 ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ከም ዝርከቡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ኣብዚ እዋን 1,096 ካብ ሊብያ ዝገዓዙ ስደተኛታት፡ ኣብ ኒጀር ከም ዝርከቡ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የርእይ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት