ካብ ግብጺ ንዝቐረበ እማመ፡ 'ዓጸፋ ምላሽ' ክወሃበሉ'ዩ

ስለሺ በቀለ ዶ/ር ኢንጂነር Image copyright EBC

ካብ መስከረም ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ ክካየድ ኣብ ዝቐነየ ስሉሳዊ ዘተ፡ ካብ ግብጺ ዝቐረበ ሓድሽ እማመ ተቐባልነት ኣይረኸበን ተባሂሉ።

ኣብ ጉዳይ ህዳሰ ግድብ፡ ቅድም ክብል ካከየድ ዝጸንሐ ልዝብ ብሰንኪ ኣብ ሱዳን ዝነበረ ፖለቲካዊ ዕግርግር ተቋሪጹ ዝጸንሓ እንትኸውን፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት እዩ ኣብዚ ሰሙን ንክልተ መዓልቲ ኣብ ካይሮ ቀጺሉ ቀንዩ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ ካብ ግብጺ ንኢትዮጵያ ዝተልኣኸ፡ ንሱዳን ዘጓነየ ልዝብ ይካየድ ዝብል እማመ፤ ክልቲኣዊ ምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነ፡ እቲ ዝቐረበ መዘራረቢ ሓሳብ'ውን ብመሰረቱ ካብቲ ዛጊድ ክካየድ ዝጸንሐ መስመር ዝወጸአ እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ሱዳን ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ስለዝተምሓየሸን፡ ካቢነ ስለዝቖመን እቲ ሱልሳዊ ልዝብ ሕዚ ቀጺሉ ክካየድ ክኢሉ እዩ።

ሕዚ'ውን ኣብዚ ናይ ካይሮ መድረኽ፡ ኣመላልኣ ህዳሰ ግድብ ብዝምልከት፡ ምስ ግድብ ኣስዋን ዓቐን ማይ ዘይምጉዳልን፡ ምስ ዋሕዚ እቲ ፈለግን ክተኣሳሰር ዝብልን ከም ኣጀንዳ ብግብጺ ዝቐረበ ሓሳብ ተቐባልነት ኣይረኸበን፡ ይብል ሚኒሰተር ማይ፣ ማስኖን ኢነርጅን ኢትዮጵያ፡ ዶ/ር ስለሺ በቀለ።

ካብ ግብጺ ዝቐረበ ሓሳብ፡ ዓቐን ማይ ግድብ ኣስዋን ካብ 165 ሜትሮ ከይወርድን፡ዓመታዊ ዋሕዚ' እቲ ፈለግ ብማእከላይ ገምጋም ካብ 40 ቢልዮን ሜትሮ ኩቢክ ከይንክን ዝብል እዩ።

"ካብ ግብጺ ዝላዓሉ ቀንዲ ሓሳባት ምስ ኦፕሬሽን ዝተሓሓዝ እዩ። እቶም ሓሳባት፤ ኣብ ቀጻሊ ምስ ናይ ምልማዕ ድሌታት ሱዳንንን ኢትዮጵያን ዝጻባእ እዩ" ኢሉ።

ነዚ ካብ ግብጺ ዝቐረበ ሓሳብ ብምንጻግ፡ ካብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዓጸፋዊ ምላሽን መማረጺ እማመን ከምዝቐርብ ተገሊጹ።

እዚ ድማ፡ ጽቡቓት ተሞክሮ ካልኦት ሃገራትን ሳይንሳዊ መጽናዕትታትን መሰረት ዝገበረ ከምዝኸውን፡ እቲ ሚኒስተር ወሲኹ ተዛሪቡ።

ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ልዝብ ኣብ ቀረባ ካብ 19 ክሳብ 22 መስከረም 2012 ዓ/ም ቀጺሉ ክካየድ ተስማሚዖም።

ካብ ሰለስቲኦም ኣባል ሃገራት ዝተወጻጸኡ ሰብ ሞያ ዝሓቖፈ፡ መንገጎኛ ኮሚቴ፡ ሳይንሳውን ቴክኒካውን ውጽኢት መጽናዕቱ ኣብቲ መጻኢ ዘተ ከምዘቕርብ ድማ ተፈሊጡ።