ዩኒቨርሲቲ መቐለ፡ ብቋንቋታት ሳሆን ኩናማን ቐዳማይ ዲግሪ ክምህር'ዩ

ብሄረሰባት ኩናማን ኢሮብን ኣብ ዓዲግራት ኣብ ዝተኸበረ በዓል መስቀል፡ ባህላዊ ምርኢት እንተቕርቡ
ናይ ምስሊ መግለጺ ብሄረሰባት ኩናማን ኢሮብን ኣብ ዓዲግራት ኣብ ዝተኸበረ በዓል መስቀል፡ ባህላዊ ምርኢት እንተቕርቡ

ኮሌጅ ቋንቋታትን ሕብረሰተብ ሳይንስን ዩኒቨርሲቲ መቐለ፡ ብሄረሰባት ኢሮብን ኩናማን ብዝዛረቡዎም ቋንቋታት፡ ብደረጃ ቐዳማይ ዲግሪ ንምምሃር ከም ዝተዳለወ ገሊጹ።

ዲን እቲ ኮሌጅ ዶክተር ተስፋኣለም ገብረዮውሃንስ ንቢቢሲ ከም ዝበሎ፡ እዚ ውጥን ብቐጻሊ ያታ፣ ክብርን መንነትን ማሕበረሰብ ተዛረብቲ እዞም ቋንቋታት ንምጽናዕን ንምፍላጥን፡ ኣቐዲሙ እቲ ቋንቋ ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ።

"እተን ቋንቋታት ኣካዳሚ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ክኾና ብምግባር፡ ያታ፣ ባህልን ታሪክን ሕብረተሰብ እዘን ቋንቋታት ንምፍላጥ፡ ኣብ መጽናዕቲ ዝተሞርኮሰ ትምህርቲ ክወሃብ'ዩ" ኢሉ።

እዚ፡ ንተዛረብቲ እዞም ቋንቋታት ዝዓበየ ትርጉም ከም ዝህልዎ ዝገልጽ ዶክተር ተስፋኣለም፡ ናብዚ ደረጃ ቅድሚ ምብጽሑ ምስቲ ሕብረተሰብ ከም ዝተዘተየሉን ርኢይቶ ክህብሉ ከም ዝተገበረን ሓቢሩ።

ቋንቋ ሳሆ፡ ብደረጃ ዲፕሎማ ኣብ ኮሌጅ መምሃራን ዓብዪ ዓዲ ክወሃብ ምጽንሑ ይግለጽ።

ሕጂ፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሒዙዎ መጺኡ ዘሎ ውጥን ነቶም ብዲፕሎማ ክመሃሩ ዝጸንሑ መምህራን ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለው፣ ኣብ ማዕኸናት ዜናን ካልኦት ትካላት ዝሰርሑ ዘለውን ካልኦትን፡ ደረጃ ትምህርቶም ክብ ንከብሉ ዕድል ከም ዝፈጥር'ዩ ዶክተር ተስፋኣለም ዝዛረብ።

"ድሩትነት ዓቕሚ ሰብ ስለ ዝነበረ፡ እዚ ክፍሊ ትምህርቲ ንምጅማር ደንጒና ኢና" ዝብል እቲ ዲን፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ከምዚኦም ዝበሉ ስርዓተ ትምህርቲ ንምጅማር ዝተማልአ ዓቕሚ ሰብ፣ ንዋትን ካልኦትን ስለ ዘድልዮ እዚ ንክዓቢ ክጽበ ምጽንሑ ገሊጹ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን፡ ቅድሚ ዓሰርታት ዓመታት ኣቢሉ ብደረጃ ቐዳማይ ዲግሪ ምሃብ ተጀሚሩ ክሳብ ሳልሳይ ዲግሪ ኣብ ዝበጽሐ ክፍሊ ትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ ዘሎ ዓቕሚ ሰብ ብምዕባዩ፡ ነዚ ሒዝካ ናብ ግብሪ ከም ዝእቶ ሓቢሩ።

ብቋንቋታት ሳሆን ኩናማን ክሳብ ሳልሳይ ዲግሪ ዘጽንዑ ሙሁራት'ውን ኣለው ዝበለ ዶክተር ተስፋኣለም፡ ተዛረብቲ እዞም ቋንቋታት ኣብ ዝርከብሎም ከባቢታት ትግራይ ዝተፈላለየ መጽናዕትን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ክወሃብ ምጽንሑ ጠቂሱ።

እዚ ስርዓተ ትምህርቲ፡ ነቶም ኣብቲ ክልል ዘለው ጥራሕ ትኹረት ዝገበረ ዘይኮነ፡ ኣብ መዓስከራት ዘለው ተዛረብቲ ሳሆን ኩናማን ዝኾኑ ኤርትራውያን ንክመሃሩ፤ ዓቕሚ ዘለዎም ድማ ንክምህሩ ናይ ምቑጻር ዕድል ከም ዘሎ ኮሌጅ ቋንቋታትን ሕብረሰተብ ሳይንስን ዩኒቨርሲቲ መቐለ ይገልጽ።

እቲ ትምህርቲ፡ ሎሚ ዘበን ንምጅማር ዘኽእል ቅድመ ምድላው'ኳ እንተኣጻፈፈ፡ ብመሰረት እቲ ተዳልዩ ዘሎ ሓድሽ ስርዓተ ትምህርቲ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ግን፡ ሓደሽቲ ተምሃሮ ንሓደ ዓመት 'ኮመን ኮርስ' እናወሰዱ ክጸንሑ ስለ ዘለዎም፡ ኣብቲ ዝቕጽል ዓመት ከም ዝጅምር ዲን እቲ ኮሌጅ ተዛሪቡ።

"እዚ ዓመት ሰባት ናይ ምቑጻር፣ መምሃሪ ናውታት ናይ ምግዛእን ምድላውን ዓመት ኮይኑ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ መስከረም ክንጅምር ኢና" ኢሉ።

ቅድሚ ክልተ ዓሰርታት ዓመታት ዝተጣየሰ ዩኒቨርሲቲ መቐለ፡ ካብ መላእ እታ ሃገር ዝመጽኡ ተምሃሮ ብምትእንጋድ ብዝተፈላለዩ ኮሌጃት ተመሃሮ ዘሰልጥን ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይ ምቕባል ዓቕሙ ኣስታት 30 ሽሕ ከም ዝበጽሐ ይግለጽ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ንዝርከቡ ኤርትራውያን ተመሃሮ'ውን ዕድል ትምህርቲ ብምሃብ ይፍለጥ።

ተወሳኺ ዛንታ