ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ዞባ ዋግ ህምራ ብሰንኪ ደርቂ ልዕሊ 120 ሽሕ ሰባት ንሓደጋ ተቓሊዖም

ክልል ኣምሓራ ዘርኢ ካርታ
ናይ ምስሊ መግለጺ ክልል ኣምሓራ ዘርኢ ካርታ

ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግ ህምራ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሕጽረት ዝናብ፡ ልዕሊ 120 ሽሕ ሰባት ህጹጽ ሓገዝ መግቢ ከም ዘድልዮም ተገሊጹ።

በቲ ኣጋጢሙ ዝተበሃለ ደርቂ ዝተሃሰዩ ሓረስቶት እቲ ከባቢ ዛጊድ ሓገዝ መግቢ ከም ዘይተገበረሎም ሓቢሮም።

ኣብቲ ዞባ ነባሪ ወረዳ ዝቋላ ዝኾኑ ኣይተ በርሄ እያሱ ኣቦ ኣርባዕተ ቖልዑ ሓረስታይ'ዮም። ንሶም ከም ዝብልዎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ፡ ካብ መወዳእታ ሓምለ ንደሓር፡ ኣብቲ ወረዳ ዝናብ ኣይረኸቡን።

"ኣብ ከቢድ እዋን ኢና ዘለና። ሰብን እንስሳን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ንርከብ። ቁሩብ ዝናብ ወቒዑ'ዩ ኣቋሪጹ። ኣእኻል'ውን ቁሩብ ምስ ሸወተ ተበላሽዩ ተሪፉ። ብድሕሪኡ ዝናብ ዝበሃል ኣይረኣናን" ኢሎም።

ብሕርሻ ስድርኦም ዝመርሑ ሓረስታይ በርሄ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ኣብ ከቢድ ኩነታት ከም ዝርከቡ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ሃደሩ ወልዴ ዝተበሃሉ ካልእ ሓረስታይ'ውን፡ እቲ ዘጋጠመ ደርቂ ሕሱም ከም ዝኾነ ብምግላጽ ጥሪቶም'ውን ኣብ ሓደጋ ምህላወን ሓቢሮም።

"ክሳብ ሕዚ ዝረኸብናዮ መልሲ የለን" ዝብሉ ኣይተ ሃደሩ፡ ህዝቢ ግን ኣብ ሕሱም ኩነታት ከም ዝርከብን ዝተፈላለዩ ኣማራጽታት እናተጠቐመ ከም ዝኾነን ተዛሪቦም።

"እንስሳት ይሞታ ኣለዋ፤ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ወዲቐን ኢኻ ትረኽበን። ዘስካሕክሕ ኩነታት'ዩ ኣጋጢሙና ዘሎ"።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ሓደጋን ውሕስነት መግብን ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግ ህምራ፡ ኣይተ መልካሙ ደስታ፡ ሸውዓተ ወረዳታት እቲ ዞባ ብሓደጋ ደርቂ ከም ዝተጠቕዓ ብምግልጽ፡ ህዝቢ ህጹጽ ሓገዝ መግቢ ከም ዘድልዮ ሓቢሩ።

"ኣስታት 120690 ዝኸውን ሰብ ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ የድልዮ'ሎ። ኣብ ቀጻሊ ብደረጃ ዞባ ዘሎ ዓቕሚ ፍርያት ሕርሻ ምስተገምገመ እቲ ቁጽሪ ክውስኽ ይኽእል'ዩ" ኢሉ።

ኣብዚ ዞባ ዝለዓለ ሃፍቲ እንስሳ ዘሎ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብተን ዝኸፍአ ሓደጋ ዝተኸሰተለን ሰለስተ ወረዳታት ጥራይ ኣስታት 65 ሽሕ ጥሪት ከም ዘለዋ ወሲኹ ተዛሪቡ።

"ንመንግስታት ክልልን ፌደራልን ሕቶ ኣቕሪብና'ለና። ኣብዘን ክልተ መዓልታት ቀረባት ክጓዓዓዝ ጀሚሩ'ሎ" ዝብል ምላሽ ሂቡ።

ኣይተ መልካሙ፡ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ደርቂ ብዘስዓቦ ሕጽረት መግቢ ዝተሃሰዩ ሰባት፡ ናብ ዝኸፍኣ ኩነታት ከይቃልዑ: መንግስቲ ብቕልጡፍ ክረድኦም ሓቲቱ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ