ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዋሕስ ተፈቲሖም

ተቓውምኦም ዘስምዑ ስደተኛታት ኣብ ካይሮ Image copyright SAMSOM TEKIE/FACEBOOK

ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ዝነበሩ 5 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዋሕስ ከም ዝተፈትሑ ተጣበቕቲ መሰላት ስደተኛታት ሓቢሮም።

ንሳቶም፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ብኣስታት 500 ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ካይሮ፡ ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈት ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ወዲብኩም፡ ብዝብል ክሲ'ዮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ጸኒሖም።

ኣስታት 1000 ዶላር ዋሕስ ብምኽፋል ከም ዝወጽኡ፡ ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ሰባዊ መሰላትን (ኤምዲሰ) ኣቶ ኢያሱ ዓንደማርያም ንቢቢሲ ገሊጹ። እዚ ማለት፡ ንዝቕጽል መስርሕ ጉዳዮም፡ ካብ ሓጹር ቤት ማእሰርቲ ወጻኢ ኮይኖም ክከታተሉ'ዮም።

ኣቶ ኢያሱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ተሳቲፍኩም፡ ወዲብኩም ተባሂሎም'ዮም ተኣሲሮም ጸኒሐም። ጠበቓ ጌሮም ንቤት ፍርዲ እናተመላለሱ ጸኒሖም፡ ቆጸራኦም እናተመሓላለፈ ግን ክሳብ ሕጂ ጉዳዮም ከይተራእየ ጸኒሑ" ኢሉ።

ዋላ'ኳ ካብ ማእሰርቲ እንተወጽኡ፡ እቲ ዝሓለፍዎ ናይ ማእሰርቲ ተመክሮን "ምፍርራሕን" ኣብ ልዕሊኦም ቀሊል ዘይኮነ ስክፍታን ስግኣትን ከም ዝፈጠረሎም'ውን ኣቶ ኢያሱ ጠቒሱ።

ማእሰርቲ ናይቶም "ጥርዓን ከስምዑ ዝፈተኑ" ስደተኛታት ቅኑዕ ከም ዘይኮነ ዝገልጽ ኣቶ ኢያሱ፡ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኩነታት እዞም ኣብ "ከቢድ ሻቕሎትን ጸገምን ዝርከቡ" ኤርትራውያን ብዕቱብ ክሕዞ ጸዊዑ።

"እቲ ዝዓበየ ነገር ከኣ ነባሪ ፍታሕ [ናብ ሳልሳይ ሃገር ዝሰጋገሩሉ] ምርካብ'ዩ" ብምባል ንነዊሕ እዋን ምጽባዮም፡ ብስጭት ፈጢሩሎም ምህላዉ ይዛረብ።

"እቲ ኤርትራዊ ኣብ ዝሃለወ ሃልዩ፡ ዝኾነ ጉጀለ ኮነ መንግስቲ ምስ ዘጥቅዖ ዝጣበቐሉ ስለዘይብሉ'ዩ፡ ኣብ ከምዚ ሽግር ዝወድቕ ዘሎ" ድማ ኢሉ።

ምኽንያት እቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ጉዳይ ኤርትራውያን ብፍላይ ጉዳይ ድሕነት፡ ጉዳይ ናብ ሳልሳይ ሃገር ምስግጋር፡ ጉዳይ ዑቕባ ምርካብ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናከፍአ ብምምጽኡ ምዃኑ ገለ ካብቶም ወደብቲ ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።

ነቲ መስርሕ ምስቶም ካብ ሶርያውያን፡ ዒራቕ፡ ሶማልን የመንን ዝመጽኡ ስደተኛታት ብምንጽጻር ናይቶም ኤርትራውያን ኣዝዩ ዝነውሐ ምዃኑ ኤርትራውያን ዘማርርሉ ጉዳይ ምዃኑ ይጠቕሱ።

ብዘይካ'ዚ ካልእ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ዘገደዶም ጉዳይ ትሕቲ ዕድመ ምዃኑ እቶም ስደተኛታት ይዛረቡ። ንኤርትራውን ትሕቲ ዕድመ መረጋገጺ ሰነድ ስለ ዘይብሎም ብዘይ ዝኾነ ሓገዝ፡ ንኽልተ ሰለስተ ዓመት ጉዳዮም ተመጢጡ "ኣደዳ ግዳም ሓደርነት፡ ዘየድሊ ወልፍታትን፡ ከምኡ'ውን ኣብ'ተን ደቂ ኣንስትዮ ዘየድሊ ጥንሲ" ከም ዘጋጥሞም ብምረት ይዛረቡ።

ብሰንኪ እዚኦምን ካልእን ጸቕጥታት ናይ ቀቢጸ ተስፋ ስጉምትታት ክወስዱ ዝግደዱ ከም ዘለዉ ብምግላጽ፡ ናብ ሱዳን ዝምለሱን ሰሃራ ቆሪጾም ናብ ሊብያ ክኸዱ ዝተገደዱ'ውን ከም ዘለው ሓቢሮም።