ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወልዲያ ብዝተፈጠረ ጎንጺ ዝተጠርጠሩ ተምሃሮ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም

መእተዊ ዩኒቨርሲቲ ወልድያ Image copyright Woldia University/FB

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጸጥታን ሰላምን ዞባ ሰሜን ወሎ ኮሎኔል ሃይለማርያም ኣምባዬ፡ በቲ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ዝተፈጸመ ጥቕዓት ክልተ ተምሃሮ ከም ዝተቐተሉ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ምስዚ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ዝተጠርጠሩ 13 ተምሃሮ ኣብ ቀይዲ ከም ዝወዓሉ እቲ ሓላፊ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ካልኦት ኣብቲ ዝተፈጸመ ጥቕዓት ከምዝነበሩ ዝተጠርጠሩ ተምሃሮ ንምቕያድ ኣለሻ ይካየድ ምህላው'ውን ተዛሪቡ።

ሎሚ መዓልቲ እቲ ዩኒቨርሲቲ "ኣብ ዝተረጋግአ ኩነታት'ዩ ዘሎ" ዝበለ ኮሎኔል ሃይለማርያም፡ ንድሕነቶም ዝሰግኡ ተምሃሮ ናብ ዘዝመጽኡሉ ከባቢ ንምምላስ ሓሲቦም ምንባሮም ገሊጹ።

እንተኾነ፡ ምስ ዓበይቲ ዓዲ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ መሪሕነት ዞባን ነበርቲ'ቲ ኸባብን ብዝተገበረ ዘተ፡ ድሕነት ተሰሚዕዎም ትምህርቶም ክቕጽሉ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ'ሎ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓደ ካብ ክልል ኦሮሚያ ዝመጽአ ተምሃራይ ግን፡ "ዓበይቲ ዓዲን ነበርትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ዘተ እንተተኻየደ'ኳ ነቲ ጥቕዓት ዝፈጸሙ ሰባት ክቃልዑ ኣይረኣናን" ኢሉ።

ሕዚ'ውን ኣብ ስግኣት ከምዝርከብ ዝገለጸ እቲ ተምሃራይ፡ ናብ ዝመጽኣሉ ከባብ ናይ ምምላስ ሓሳቡ ከምዘይቐየረ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ ምሸት ነቲ ተግባር ዝፈጸሙ ሰባት፡ በላሕቲ ነገራት ሒዞም ከም ዝነበሩ ገሊጹ።

ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ፖሊስ ፌደራልን ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ከም ዝኣተዉን ምርግጋእ ከምዝተፈጠረን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጸጥታን ሰላምን ዞባ ሰሜን ወሎ ኮሎኔል ሃይለማርያም ኣምባዬ ሓቢሩና።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ