ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ቀታሊ ሰራሕተኛ ፖስት ኦፊስ ንሕለፈት ተፈሪዱ

ሰራሕተኛ ፖስታ ኦፊስ Image copyright Getty Images

ሰራሕተኛ ፖስታ ኦፊስ ዝነበረ ደቡብ ኣፍሪቃዊ 'ሉያንዳ ባታ'፡ ብጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን ጓል 19 ዓመት ተምሃሪት ምስ ተኣመነ፡ ንሰለስተ ሕልፈት ማእሰርቲ ተፈሪድዎ።

እቲ ብይን ምስ ተዋህበ፡ ኣብቲ ቤት-ፍርዲ ናይ ሓጎስ ድምጺ ተሰሚዑ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ ሞት እታ ዩነየ ማርወትያ ዝተባህለት ጓል-ኣንስተይቲ፡ ኣብታ ሃገር ሓያል ተቓውሞ ኣስዒቡ ነይሩ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ብዝርኣ ዘሎ ጾታዊ ዓመጽ፡ ቅትለትን ካልእ ኢሰብኣዊ ተግባራትን ህዝቢ ተማሪሩ ተቓውሞኡ ብቐጻሊ የስምዕ ኣሎ።

ድሕሪ እቲ ዝተዋህበ ብይን "እቲ ፍርዲ ንማርወትያ ኣይትክኣን እዩ። እንተኾነ ግን፡ ነመስግን" ክብል ኣኲኣ ተዛሪቡ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ፡ ኣስታት 2,700 ደቂ-ኣንስትዮ፤ ብደቂ-ተባዕትዮ ተቐቲለን።

እዚ ብደረጃ ዓለም ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዘጋጥም ዓመጽ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ይዛይድ። ብተወሳኺ ኣብታ ሃገር፡ ኣስታት 100 ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝተፈጸመ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ቅድሚ እቲ ቕትለት፡ እቲ ንማርወትያ ዝቐተለ ሰብ፡ ኣብ ኬፕ ታውን ኣብ ዝርከብ ፖስታ ኦፊስ፡ ኣተዓሻሽዩ፡ ኣብ ገዛ አእትዩ ከምዝዓመጻን ብድሕሪኡ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ጨፍጪፋ ከምዝቐተላን መራኸቢ ብዙሓን ደቡብ ኣፍሪቃ ኣቃሊሓን።

Image copyright Getty Images

ቦታህ፡ ንሬሳ እታ ተጋሲሱ ዝቐተላ ሰብ ንገለ መዓልታት ኣብቲ ፖስታ ኦፊስ ሐቢእዎ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ካልእ ቦታ ወሲዱ እዩ ብሓዊ ኣንዲዱዋ።

እዛ ተምሃሪት ቀዳማይ ዓመት ሜድያ ዝነበረት ማርወትያ፡ ኣስከሬና ንሰሙናት ተሰዊሩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ 'ከይሊሻ' ኣብ ዝተባህለት ሐውሲ ከተማ እዩ ተደርቢዩ ጸኒሑ።

ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ

  • ካብ ሓሙሽተ ደቂ-ኣንስትዮ፤ ሓንቲ ብመጻምድታ ጾታዊ መጥቃዕቲ ይበጽሓ
  • ኣብ ዓመት ኣስታት 40,000 ደቂ-ኣንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ኣጋጢሙኒ ኢለን ንፖሊስ የመልክታ
  • ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ቅትለት ጓል-ኣንስተይቲ ብመጻምድታ፡ ካብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ እዩ