ኤርትራ፡ ቁጠባ ኤርትራ ደሕሪ ሓደ ዓመት ምልዓል እገዳ

ዕዳጋ ከረን Image copyright Eric Lafforgue/gettyimages

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ 2009 ብቑጽሪ 1907፡ ከምኡ'ውን ኣብ 2011 ብቑጽሪ 2023፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ፡ ዓሚ ከምዚ እዋን ብ14 ሕዳር 2019 ብምሉእ ድምጺ ኣልዒልዎ።

እቲ ዝተነብረ እገዳ፡ ምኽልካል ዕድጊ ኣጽዋርን፡ ናይ ዝተወሰኑ ሕሳብ ባንኪ ወልቀ-ሰባትን ዘተኮረ'ዩ ነይሩ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ እገዳ ዘይፍትሓውን ዘየሎ ነገር ኣሳዊርካ ንቑጠባ ኤርትራ ምድኻምን ኣብ መዳያት ዲፕሎማሲ ንመንግስቲ ንምድኻምን ንምንጻልን ዝተወስደ ስጉምቲ እዩ ክብል ብተደጋጋሚ ነቒፊዎ እዩ።

ሽዑ መንግስቲ ኤርትራ፡ ተኸታተልቲ ኣማሓደርቲ ኣሜሪካ ዝሃንደስዎ ዕብለላን፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ግጭት ኣሳዊርካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ንምቁጽጻር ዝፈብረኹዎምን ዝሓለለኹዎን እዩ ክብል ቅሬትኡ ኣስሚዑ ነይሩ።

እቲ እገዳ ኣብ ዝተነብረሉ እዋን እውን፡ ካብ ደምበ ተቓውሞ ከይተረፉ እቲ እገዳ ፍትሓዊ ኣይኮነን ዝበሉ እውን ነይሮም እዮም።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአን ንብይን ኮሚሽን ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ተቐቢሉ ምስ ኤርትራ ዕርቀ ሰላም ምስ ኣወጀን ኣይደንጎየን እቲ እገዳ ተላዒሉ።

እቲ እገዳ ክጸንዕ ብልዑል ንጥፈት ዝተዋስአ ብህወሓት ዝምራሕ ኢሂወደግ፡ ምቅይያር ስልጣን ምስተገብረ፡ ብኣቦ መንበር ኦሆዴድ ዝምራሕ ኢሂወደግ ከኣ ኣብ ምእላይ እቲ እገዳ ልዑል ተራ ተጻዊቱ።

እቲ እገዳ ምስተላዕለ፤ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ክንዮ ምልዓል እዚ እገዳ፡ ነቲ ዝተገበረ ጌጋታት ሓላፍነት ክወስድ ብምዝኽኻር፡ እቲ እገዳ ምልዓሉ ብሓጎስ ከም ዝተቐበሎ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራን፡ ኣብ ፈቐዶ ስደትን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ዘሕለፎ ውሳነ ምልዓል እገዳ፡ ብልዑል ሓጐስ ከምዝተቐበሎ መራኸቢ መንግስቲ ኤርትራን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኣቃሊሓን ነይረን።

ድሕሪ እቲ እገዳ ከኣ ንብዙሓት ኤርትራውያንን ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ዓቢ ተስፋ ክህብ ትጽቢት ተገይሩ እዩ።

ድሕሪ ዓመት ምልዓል እገዳ ኣብ ኤርትራ እንታይ ለውጢ ኣሎ?

ካብ ግዳም ዝነጥፉ ኤርትራውያን ተንተንቲ ፖለቲካን ኣብ ሃገር ዝነብሩ ዜጋታትን እቲ እገዳ ምስተላዕለ ኣብ ኤርትራ ኩለንትናዊ ለውጢ ክመጽእ ትጽቢት እኳ እንተነበሮም ከምቲ ዝተመነዩዎ ቁጠባዊ ይኹን ማሕበራዊ ምዕባለታት ከምዘይመጽአ እዮም ዝሕብሩ።

"ካብ ዝነበሮ እኳ ደኣ ገዲዱ!" ዝብል ኣብ ኤርትራ ብንግዲ ዝናበር ንድሕነቱ ስሙ ክዕቀብ ዝመረጸ ነጋዳይ፡ እቲ ተኸፊቱ ዝነበረ ዶባት ኢትዮ-ኤርትራ ምስ ተዓጽወ ብፍላይ ኣብ ኤርትራ ዋጋ ሃለኽቲ ኣቑሑ ከቢሩ፤ እቲ ክሓስር ጀሚሩ ዝነበረ እኽልን ጥረ-ምረን ኮነ ካልእ መሳርሒ ኣባይቲ ዕንጸይትን ቴንዲኖን ቸሜንቶን ካብቲ ቕድም ዝነበሮ ወሲኹ ኩሉ ነገር ኣብ ዘሻቕል ኩነታት ከምዘሎ ይሕብር።

ምስ ኢትዮጵያ ዕርቀ ሰላም ምስተገብረ፤ ተሰዲዱ ዝነበረ ሰብ ናብ ዓዱ ክምለስ ትጽቢት እናተገብረ ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ምምሕያሽ ስለዘይተራእየ በንጻሩ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን'ውን ስድራቤቶም ጠርኒፎም ናብ ኢትዮጵያ ተሰደዶም ኣብ ፈቐዶ ከተማታትን መዓስከራት ስተደተኛታትን ኢትዮጵያ ይነብሩ ከምዘለው ጸብጻብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት የረድእ።

እቲ ዶብ ንምንታይ እዩ ተዓጽዩ ንዝብል ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ዛጊት ወግዓዊ መግለጺ ኣይተወሃበን። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ግን ስሩዕን ንቡርን ሕጋዊ ናይ ኣቑሑን ሰብን ምንቅስቓስ ቅጥዒ ይዳሎ ምህላው እዩ ዝሕብር።

ዶብ ኤርትራን ሱዳንን'ውን፤ ክኸፈት እዩ ካብ ዝበሃል ውሑድ ግዜ ኣይገበረን።

Image copyright Eric Lafforgue/gettyimages

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ብዝምልከት ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርጊስ፡ እቲ ስርዓት በቲ ዝኽተሎ ዝነበረ ሜላታት እቲ ቁጠባ ስለዝተዳኸመ፤ ነቲ እገዳ ከም መመሳመሲ ይጥቀመሉ ምንባሩ ንቢቢሲ ትግርኛ ሓቢሩ።

ሕጂ ግን ይብል ንሱ፡ እቲ እገዳ ምስ ተላዕለ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝጸንሐ ተነጽሎ እኳ እንተጎደለ፡ ኣብ ኤርትራ ግን ዝተራእየ ቁጠባዊ ለውጢ ይኹን፤ ዕብየት ከምዘየለን፤ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ እውን ዝመጽአ ምምሕያሽ ከምዘየሎ ይዛረብ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ዕደናን ዳህሳስን ብዙሕ ንጥፈታት ከሰላሰል ጸኒሑ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ውን፡ ኣብ ኮሎሊ፡ ኪኖ ናይ ኤርትራ ቁጠባ፡ ንመላእ ምብራቕ ኣፍሪቃ እወንታዊ ዝኾነ ቁጠባዊ ለዉጢ ከምጽእ ዝኽእል ዕደናዊ ንጥፈታት ከምዝተጀመረ ተገሊጹ እዩ።

ምኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ብጽሬቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ዕደና ፖታሽ "ንውሕስነት መግቢ ኤርትራን ኣፍሪቃን ስትራቴጂካዊ ዕድል እዩ" ክብል ሪፖርት ምግባሩ ብትዊተር ሓቢሩ።

ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርጊስ ብዛዕባ ዕደና ክዛረብ እንከሎ፡ ብግብሪ ክረኣ እንከሎ እቲ ዕደናዊ ወፍሪ ኣብ ግዜ እገዳ'ውን ነይሩ፡ ሕጂ'ውን ኣሎ ይብል።

"እቲ ቀንዲ ሽግር ግን ኣታዊ እቲ ዕደና ኣበይ ከምዝኣቱ ዝፍለጥ የለን። ኣብ ዕብየት ቁጠባ ኤርትራ ይኹን ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ኤርትራውያን ክውዕል ኣይተራእየን"

"እቲ ዕደናዊ ጽላት ኣዝዩ ኣኽሳቢ ስለዝኾነ፤ ኣህጉራዊ ወፍሪ ኩሉ ግዜ ይስሕብ እዩ። እቲ ዘቤታዊ ወፍሪ ግን ተኣጊዱ፡ ብዙሕ ወፍሪ የለን፡ ግዝኣተ ሕጊ ሰለዘየለ ድማ ብዙሕ ግዳማዊ ወፍሪ ዝስሕብ ኣይኮነን" ክብል ይዛረብ።