ኢትዮጵያ፡ ህዝበ ውሳነ ዞባ ሲዳማ ይካየድ ኣሎ

ድምጺ ዝህብ መራጺ

ኣብ ክልል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታታን ደቡብ ኢትዮጵያ እትርከብ ዞባ ሲዳማ ብደረጃ ክልል ንምጥያሽ ወይ ብዝነበረቶ ዞባ ኮይና ኣብቲ ክልል ክትጸንሕ ኣብ ዘኽእል ህዝበ ውሳነ ድምጺ ክወሃብ ጀሚሩ።

ተወለድቲ ዞባ ሲዳማ ሎሚ ንጉሆ ድምጺ ምሃብ ዝጀመሩ፡ ዞብኦም ዓስረይቲ ክልል ኢትዮጵያ ክትኸውን ድልየት እንተሃልይዎም ንምውሳን'ዩ።

ከድምጹ ዘኽእሎም ካርዲ ዝሓዙ ነበርቲ ከተማ ሃዋሳ፡ ካብ ወጋሕታ ጀሚሮም ኣብ ናቑጣታት ምርጫ ብብዝሒ መስርዕ ሒዞም ተራእዮም።

እቲ ድምጺ ናይ ምሃብ መስርሕ ንጉሆ ሰዓት 12፡00 ኣ.ኢ [06፡00 ኣ.ኣ] ዝጀመረ ኮይኑ፡ ኣጋምሸት ሰዓት 12፡00 ኣ.ኢ ከምዝዛዘም ተፈሊጡ'ሎ።

ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ከምዝሓበሮ፡ ኣብዚ ህዝበ ውሳነ ድምጺ ንምሃብ ልዕሊ 2 ሚልዮን ሰባት ተመዝጊቦም'ዮም።

ልዕሊ 4 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ሲዳማ፡ ኣብ ኢትዮጵ ዝዓበየ ቁጽሪ ህዝቢ ካብ ዘለዎም ብሄረሰብ ብሓምሻይ ደረጃ ትስራዕ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ተወለድትን ተጣበቕትን ሲዳማ፡ መንግስቲ እቲ ህዝበ ውሳነ ዝካየደሉ ግዜ ክጓተት ብምግባሩ ወቒሶም ነይሮም።

ኣብቲ እዋን ብዝተወለዐ ጎንጺ ድማ ልዕሊ 25 ሰባት ክሞቱ ከለው ብዘሓት ቆሲሎም እዮም። ተወለድቲ ባዕሎም ክልል ከምዝተጣየሸት ንምእዋጅ ኣብ ዝገበርዎ ፈተነ ጎንጺ ከምዝተልዓለ ይግለጽ።

ኣካቢት ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ወይዘሮ ብርቱካን ሚዴቅሳ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ውጽኢት ምርጫ ህዝበ ውሳነ ሲዳማ፡ ጽባሕ ሓሙስ ክግለጽ ከም ዝኽእል ሓቢራ ነይራ።

ምናልባት'ውን ድማ ሓደ ወይ ክልተ መዓልታት ክድንጉይ ከምዝኽእል ኣእንፊታ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ሎሚ ንጉሆ ብፌስቡክ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ "እዚ ህዝበ ውሳነ ኢትዯጵያ ተጓዓዘሉ ንዘላ ዴሞክራሲያዊ መገዲ ዘመልክት'ዩ" ኢሉ።

እቲ መስርሕ ምርጫ ሰላማውን ዴሞክራስያውን ኮይኑ ክዛዘም ድማ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ተወሳኺ ዛንታ