'ደገፍቲ መንግስቲ' ኣብ ልዕሊ ፍሉጥ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ መጥቃዕቲ ፈጺሞም

ኣማኑኤል ኢያሱ Image copyright ATV Asena

ገለ 'ደገፍቲ መንግስቲ' ምዃኖም ዝተነግረሎም ውልቀሰባት ኣብ ልዕሊ መስራቲን ኣዳላውን ቴለቭዥን ኣሰና ዝኾነ ፍሉጥ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ፡ ኣማኑኤል ኢያሱ፡ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ኣሰና ቲቪ ኣረጋጊጻ።

እቲ ናይ ሓሩጭን ጸባን መጥቃዕቲ ኣብ ከተማ ለንደን ከም ዝተፈጸመን፡ ሓደ ካብቶም ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ዝተባህሉ ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ከም ዝኣተወን መግለጺ ኣሰና ሓቢሩ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝተሳተፉ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ሓንቲ ጓል-ኣንስተይቲ፡ ነቲ ጋዜጠኛ ሓበሬታ ዘለዋ ሰብ ክትረኽበካ ደልያ ኣላ ብምባል፡ ብስቱር ክትህቦ ከም እትደልን ብምግላጽ ክረኽባ ከም ዘለዎን ሓቲታቶ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ድማ፡ ኣማኑኤል ናብቲ ቦታ ምስ ከደ እቶም ሰባት ተዳልዮም ጸኒሖም ብጸባ ዝተበጽበጸ እንቋቚሖ ክጭንጉዕዎ ፈቲኖም። ኣማኑኤል ብወገኑ፡ ካብቲ መጥቃዕቲ ርእሱ ከድሕን ከም ዝፈተነን፡ ድሒሩ ኣብ ዝተፈጥረ ወጠጥ ፓሊስ ንሓደ ኣብ ቀይዲ ከእትውዎ እንከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ግን ከም ዝሃደሙ ተፈሊጡ።

ቅድሚ ሕጂ'ውን ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ነበርን፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝነቅፍ ጽሑፋት ብምውጻእ ዝፍለጥን ብሪጣንያዊ ማርቲን ፕላውት ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ምንባሩ ይፍለጥ።

ያቆብ ገብረመድህን ዝባህለ ውልቀሰብ በቲ መጥቃዕቲ ገበነኛ ምዃኑ ድሕሪ ምእማኑ፡ 700 ፓውንድ ተቐጺዑን፡ ንጋዜጠኛ ማርቲን ፕላውት ከይረኽቦ ተዚዙን ምባሩ ይዝከር።

ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱ ዝተገብረ መጥቃዕቲ ብሕጋዊ መንገዲ ተታሒዙ ከም ዘሎ ምንጭታትና ገሊጾም።

ኣማኑኤል ኢያሱ፡ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ኮይኑ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ከም ጋዜጠኛ ዘገልግል ዝነበረ'ዩ።

ንሱ፡ ካብ ሃገር ድሕሪ ምውጽኡ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዓመጽ ዝነቅፍ ጽሑፋት ብምድላዉ ዝፍለጥን፡ ኣብ ኤርትራን ኣብ ወጻኢን ብዙሕ ተሳማዕነት ዘለዎ ፈነወ ሬድዮ ኣሰናን፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ቴለቭዥን ኣሰና ከምስርት ዝኻኣለ'ዩ።

ኣብ ዓለም ንጋዜጠኛታት ብምእሳር ዝተፍልጠት ኤርትራ፡ ብሕታዊ ፕረስ ዘይብላ ሃገር'ያ።

ንተጻራሪ ሓሳብ ተጻዋርነት ዘይብሉ እንተባህለ ዝንቀፍ መንግስቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዘይ ቅዋም ንኣስታት 29 ዓመት መሪሕዋ'ሎ።

መሰጋገሪ ባይቶ እታ ሃገር ብዘይወግዓዊ መንገዲ ካብ ዝፈርስ'ውን ኣስታት 17 ዓመት ኮይኑ'ሎ።