ደቡብ ሱዳናዊት ኣዱት ኣከች ሞዴል ፋሽን 2019 ተባሂላ

ኣዱት ኣከች Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣዱት ኣከች

ደቡብ ሱዳናዊት ሞዴል ኣዱት ኣከች ብልጽቲ ሞዴል ፋሽን 2019 ኮይና ተሸሊማ።

ብሰኑይ ኣብ ዝተኻየደ ሽልማት ፋሽን ዝተዓወተት ኣዱት፡ ጓል 19 ዓመት መንእሰይ'ያ።

ኣብዚ ብደረጃ ዓለም ተወዳዲራ ዝተዓወተትሉ ሽልማት፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተኻየደ ኮይኑ ኣብቲ ናይ ስነስርዓት ብዙሓት ክኢላታት ቅዲን ፍሉጣት ሰባትን ተሳቲፎም።

ኣዱት ኣከች፡ ካብ ብዙሓት ተወዳደርቲ ምስ ዝተመረጻ፡ ሞዴል ኣደስዋ ኣይገዊ፣ ኣድዋ ኣቦች፣ ካያ ገርበር ከምኡ እውን ዊኒ ሃርሎወ ናብ መዛዘሚ ድሕሪ ምብጽሓ እያ ንዐአን በሊጻ ነዚ ዓለማዊ ሽልማት ክተበቕዕ ክኢላ።

እቲ ናይ ምሕራይ ስነ ስርዓት ብ2500 ዝኾኑ ክኢላታት ቅዲ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ እዚ ዓመታዊ ሽልማት ንክኢላታት ቅዲ ኣብ ምሕጋዝ ብዝነጥፍ ማሕበር እናተመወለ ዝካየድ ዓመታዊ ውድድር'ዩ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ማናቱ ኤርትራውያን ሞዴላት ሄሮዳ ብርሃነን ሄርሞን ብርሃነን ኣብ ዓውዲ ፋሽን ንዘሎ ብድሆታት ንምስዓር ኣንቂደን እየን።

ተወሳኺ ዛንታ