ኣምባሳደር ጂቡቲ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣበይ ከምዝቐውም ዝተበጽሐ ስምምዕ ከምዘየለ ሓቢሩ

ከተማ ጅቡቲ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ከተማ ጅቡቲ

ኣምባሳደር ጁቡቲ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ መሓመድ እድሪስ ፈራሕ "ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ኣብ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለን ንሙቛም ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ጂቡቲ ብዝምልከት ጉዳያት ክልተኣዊ ዘተታት ይካየድ ነይሩ'ዩ" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣምባሳደር መሓመድ እድሪስ፡ ኣብ መንጎ መራሕቲ እዘን ክልተ ሃገራት ዘተ ደኣ ይጽናሕ እምበር "ክሳብ ሕጂ ወግዓውን ሕጋውን ስምምዕ ኣይተበጽሐን ዘሎ" ድሕሪ ምባል "ዝኾነ ስምምዕ ክግበር እንተኾይኑ ከኣ ኣብ ሞንጎ ጂቡትን ኢትዮጵያን ጥራይ ዘይኮነ፡ እታ ንኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ንኸተቕውም እትሕግዛ ዘላ ፈረንሳ እውን ክትሕወሶ ኣለዋ" ክብል ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ፡ ካፒታል-ኢትዮጵያ ዝተባህለት ኣብ ኢትዮጵያ ብኢንግሊዝ እትሕተም ጋዜጣ 'መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ከምዝኸውንን፡ ቀንዲ ቤት ጽሕፈቱ ድማ ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ኣምሓራ ዝኾነት ከተማ ባህርዳር ከመዝተከልን' ኣብ ገጻታ ኣስፊራ ነይራ።

ብወገን ኢትዮጵያ ግን ክሳብ ሕጂ እቲ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኣበየነይቲ ሃገር ከምዝኸውን ዝተዋህበ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሚያዝያ 2019፡ ፕረዚደንት ጁቡቲ ዑመር ገለ፡ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ብሓገዝ ፈረንሳ ከተቑሞ መዲባ ዘላ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ባጽዕ ከምእትድኩኖ ምስ ዠን ኣፍሪክ ዝተባህለት ጋዜጣ ፈረንሳ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ገሊጹ ነይሩ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኒኤል ማክሮን እውን ኣብ ወርሒ መጋቢት 2019፡ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ሃገሩ ኣብ ሙቛም ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዝኣክል ምድግጋፍ ከም እትገብር ቃል ምእታው ይዝከር።

ሃገረ ኤርትራ፡ ኣብ ሓምሳታት ብውሳነ ውድብ ሕቡራት ምስ ኢትዮጵያ ብፈደሬሽን ምስ ተቖርነት፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ስለዝረኸበት ኣብ 1955 ኣብ ባጽዕን ዓሰብን ዝመደበሩ ግዙፍ ሓይሊ ባሕሪ ኣቚማ ነይራ።

ካብ 1958 ኣትሒዙ ማዕረ ሓይሊ ምድርን ሓይሊ ኣየርን ከም ሳልሳይ እዚ ኮይኑ ዝተወደበ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ ኣብ 1991 ብህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝሰዓር ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዓቢ ዓብላሊ ተራ ከምዝነበሮ ይጥቀስ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ