ሃይማኖት፡ ኣባላት ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ናብ ሞጣ ክኸዱ'ዮም

ኣባላት ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያን ትካላት ሃይማኖት ክልል ኣምሓምራን ናብ ሞጣ ብምኻድ ምስ ነበርቲ ክመያየጡን ዝተፈላለዩ ሓገዛት ክገብሩን'ዮም።
ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኣምሓራ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝበጽሕ ዘሎ ጉድኣት ብሰማይን ምድርን ዘሕትት እዩ ኢሉ።
ኣካቢ ቦርድ እቲ ጉባኤ መልኣከ ሰላም ኤፍሬም ሙሉኣለም፡ "ወዲ ሰብ ክግበር ዘይግብኦ ነገር ኣብ ልዕሊ ካልኦት ምፍጻሙ ግቡእ ኣይኮነን" ብምባል፡ ትካላት ሃይማኖት ሓለዋ ክግበረለን እናተገብኦ ክቃጸላ ምርኣይ ዘደንጹ'ዩ ኢሎም።
"ሕብረሰተብ እቲ ኸባቢ ብሓባር ዝበልዕን ዝሰትን እምበር ንስርቅን ዕንወትን ዝጓየ ኣይኮነን፤ ክቡር ቤተእምነት ምቅጻል'ውን ግቡእ ኣይኮነን" ኢሎም።
"መንግስቲ'ውን እንተኾነ በብግዚኡ ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝፍጠሩ ጸገማት ቐልጢፍካ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ክሰርሕ ኣለዎ" ዝበሉ መልአከ ሰላም ኤፍሬም፡ ከምዚ ዓይነት ተግባር ዝፍጽሙ ሰባት ናብ ሕጊ ክቐርቡ ኣለዎም ኢሎም።
ክሳብ ሕጂ ግን ግቡእ መቕጻዕቲ ዝረኸቡ ሰባት ብዘይምህላዮም፡ እቲ ጥፍኣት እናሰፍሐ ይኸይድ ከም ዘሎ ተዛሪቦም።
"ሕጊ ዝጠሓሱ ሰባት መአረምታ ክረኽቡ ይግባእ፤ ከምዚ ምስ ዝግበር እዩ ሰብ ኢዱን ነብሱን ዝእክብ" ኢሎም።
ብተወሳኺ፡ ኩሉ ሕብረሰተብ አነ'ውን ይምልከተኒ'ዩ ኢሉ ሓላፍነት ክስምዖ ከም ዝግባእ ብምግላጽ፡ ሓቢርካን ተኸኣኢልካን ናይ ምንባር ባህሊ ክጠናኸር፣ ዘጥፍኡ'ውን ናብ ሕጊ ክቐርቡ ብምትሕብባር፣ ዝተሰረቐ ሃብቲ ክንትክእ ይግባእ ዝብል መልእኽቶም ኣሕሊፎም።
ጉባአ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ሞጣ ኣብ ልዕሊ ትካላት እምነት ዝተፈጸመ ተግባር ከም ዘሕዘኖ ጠቒሱ፡ እዚ ዓይነት ተግባር ከይድገም ጸዊዑ።
በቲ ዝተፈጥረ ጸገም 15 ጥርጡራት ኣብ ዘይዲ ከም ዝኣተው፡ ሓላፊ መምርሒ ፖሊስ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ኢንስፔክተር ኣያልነህ ተስፋዬ ጠቒሱ መራኸቢ ብዙሃን ኣምሓራ ጸብጺቡ።