7 ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳ ከምዝተረፉ ሴካፋ ኣረጋጊጹ

ኣባላት ሃገራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳ Image copyright FUFA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣባላት ሃገራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳ

ሸውዓተ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳ ከምዝጠፍኡ ሴካፋ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ሴካፋ ኣብ'ቲ ኣብ ኡጋንዳ ዝተኻየደ ናይ 2019 ውድድር ሴካፋ ቻለንጅስ ካብ ዝተሳተፉ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፤ ነቶም ዝጠፍኡ 7 ተጻወትቲ ንምርካብ ይሰርሕ ኣለኹ ኢሉ።

ብዛዕባ'ቲ ክስተት ንሰበሰልጣን ኡጋንዳ ከምዘፍለጠ ወሃቢ ቃል ዞባዊ ቤት ምኽሪ ማሕበራት ኩዕሶ እግሪ ምብራቕን ማእኸላይን ኣፍሪቃ -ሴካፋ ሮጀር ሙሊንድዋ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"ካብ መንጎ'ቶም ተጻወትቲ እቶም ሸውዓተ ከምዝጠፍኡ ሓበሬታ ኣለኒ። ኤምባሲ ኤርትራ ነቶም ተጻወትቲ ንምምስጋን እንግዶት ኣዳልዩ ምንባሩ'ውን ኣቐዲሙ ሓበሬታ በጺሑና ነይሩ። ናብ ፖሊስ፣ ፌደሬሽን ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኡጋንዳን ኤምባሲን ኣፍሊጥና ኢና" ኢሉ።

ኣበይ ከምዘለዉ ንምፍላጥ ድማ ምስ ፖሊስ፣ ፌደሬሽን ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኡጋንዳን ኤምባሲ ኤርትራን ብሓባር ይሰርሑ ከምዘለዉ ብምሕባር፡ "ከም እንረኽቦም እምነት ኣለኒ" ክብል ገሊጹ።

ኡጋንዳ ኣብ ዘእንገደቶ ውድድር ሴካፋ 2019 ብዝሓሸ ብቕዓት ኣብ ሜዳ ዝተረኣየት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ንሃገራዊት ጋንታ ኬንያ 4 ን 1 ስዒራ ኣብ ታሪኻ ንመጅመርታ ናብ ፋጻመ ክትሰግር ክኢላ።

ኣብ ግጥም ፍጻመ ምስ ኡጋንዳ ተራኺባ 3 ብ 0 ተሳዒራ ካልአይቲ ብምዃን ውድድራ ዛዚማ'ያ ተዓዋቲት ብሩር መዳልያ ክትኸውን ክኢላ እያ።

እዚ ክስተት ምጥፋእ ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ኣብ ኡጋንዳ ኤርትራ ኣብዚ ዓመት ንኻልኣይ ግዜ'ዩ ዘጋጥም ዘሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ'ውን ኣብ ውድድር ሴካፋ ትሕቲ 20 ዓመት፤ ንኤርትራ ካብ መንጎ ዝተሰለፉ ተጻወትቲ እቶም ሓሙሽተ ኣብ ኡጋንዳ ጠፊኦም ምትራፎም ዝዝከር'ዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ