ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ፡ "ህዝቢ ኤርትራ ጽቡቕ ኣቀባብላ ገይሩልና"

ኣባላት ጉጅለ ሙዚቃ ጃኖ Image copyright Jano band offical/Instagram

ብምኒስተር ደኤታ ባህልን ቱሪዝምን ወይዘሮ ብዙነሽ ዝምራሕ 60 ኣባለት ዝሓዘ ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤርትራ ባህላዊ ምርኢት ከቕርብ ቐንዩ።

እቲ ኣብ ከረን፡ ባጽዕን ኣስመራን ምርኢት ዘቕረበ ጉጀለ፡ በቲ ዘቕረቦ ምርኢትን ዝተገብረሎም ኣቀባብላን ኣዝዮም ከም ዝተሓጎሱን ዑደቱ ውጺታዊ ከም ዝነበረን ሓቢሩ። ምስቲ ጉጅለ ዝተጓዕዙ፡ ሮክ ዝጻወቱ ኣባላት ጉጅለ ሙዚቃ 'ጃኖ' ኣብ ባጽዕን ኣስመራን ብርክት ዝበለ ፍርያቶም ኣቕሪቦም።

ኣብታ ሃገር ብዙሕ ሰብ ከም ዘየለ ዝዛረብ ተጻዋቲ ጊታር ጃኖ ባንድ ሳሙኤል ኣሰፋ፡ "እቲ ዝርካቡ ሰላማውን ፈታዊ ሰብን ሃገርን እዩ" ክብል ይገልጾ። ኤርትራ ኣዝያ ውቅብቲ ሃገር'ያ ዝብል ሳሙኤል፡ ብፍላይ ገማግም ባሕራ፡ ባጽዕን ዳህላክን ንኽትርእዮም ዘብህጉ ማረኽቲ ምዃኖም ሓቢሩ።

እቲ ክልተ ደቂ ኣንስትዮን ክልተ ደቂ ተባዕትዮን ውሩያት ሙዚቀኛታት ዝርከቡዎ ጃኖ ሽዱሽተ ሙዚቀኛታት ዝሓቖፈ ጃኖ ባንድ ዓብዪ ኢንተርፕራይዝ ሙዚቃ ኢትዮጵያ'ዩ።

እቲ ባንድ ኣብ 2012 'ኤርታዕለ' ዝሰመዮ ፈላሚ ኣልበም ናብ ህዝቢ ኣቕሪቡ። ፍርቂ ካብቲ ናይ ደርፊ ግጥምታት ከኣ እቲ ስሙይ ኢትዮጵያዊ ገጣሚ ይልማ ገብረኣብ ዝደረሶም እዮም። እቲ ባንድ ኣብ ወጻእን ሃገርን ሮክ ዝተባህለ ስልቲ ሙዚቀኦም ንህዝቢ ከላልዩ ጸኒሖም ኣለው።

Image copyright Yemane G. Meskel/Twitter

ኣብ ጥልያን፣ ስዊድን፣ ኔዘርላንድስን፣ ኣሜሪካ፣ እስራኤልን ማእከላይ ምብራቕ ብምኻድ ከኣ ህቡብነት ከጥርዩ ክኢሎም። ብዘይካ እቲ ኣልበም፡ 'ይነጋል'፣ 'ኣይኔማ ወዳጅሽ'፣ 'ዳሪኝ' ዝብሉ ንጽል ዜማታት ሰሪሖም።

ምስቲ ብ16 ታሕሳስ 2019 ናብ ኤርትራ ዝኣተወ ጉጅለ ባህሊ ሙዚቃ ኢትዮጵያ ዝተጓዕዘ እዚ ባንድ ኣብ ባጽዕን ኣስመራን 19 ደርፍታት ከቕርብ መደብ'ኳ እንተነበሮ ብሰንኪ ሕጽረት ግዜ 13 ደርፍታት ከምዘቕረበ ተጻዋቲ ጊታር ጃኖ ባንድ ሳሙኤል ኣሰፋ ሓቢሩ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እቲ ጉጀል 'ይነጋል' ዝተሰምየ ደርፉ ከቋርጹ ከምዝተገደደ እኳ እንተተዘርበ ሳሙኤል ግን ብሰንኪ ሕጽረት ግዜን ኣብ ጥቐኦም ንዝነበረ ሆቴል ንኸይርብሹን እቲ ግዜ ከምዝሓጸረ የረድእ።

እቲ ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ምስ ኣተወ ብኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ፡ ኣብ ሆቴል ኣስመራ-ፓላስ ናይ ድራር እንግዶት ገይሩሉ። ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝግበር ባህላዊ ምልውዋጥ ኣብ ምርኢታዊ ጥበብ ከይተወሰነ፡ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ዘዕቢ ምዃኑ ሓቢሩ።

ሚኒስተር ዲኤታ ባህልን ቱሪዝምን ኢትዮጵያ ወይዘሮ ብዙነሽ መሰረት'ውን እዚ ዝግበር ዘሎ ባህላዊ ዑደት፤ መቐጸልታ ናይቲ ኣቐዲሙ ብጉጅለ ባህሊ ኤርትራ ዝተጀመረ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ ክዓቢን ክቕጽልን ከም ዘለዎ ገሊጻ።

ዓሚ ሚያዝያ ገዳይምን መንእሰያትን ሙዚቀኛታት ዝሓቘፈት ጉጅለ ያታ ስብሪት፡ ን ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምጽንባል፡ ኣብ ከተማታት ባህርዳር፣ ኣዳማ፣ ሃዋሳ ከምኡ'ውን ኣዲስ-ኣበባ ሙዚቃዊ ምርኢት ከም ዝርኣየት ይፍለጥ።

ተወሳኺ ዛንታ