ክሰርቕ ዝተረኽበ ኣምባሳደር ሕማሙ ኣመኽንዩ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ

ቤተ-መጽሓፍቲ Image copyright Getty Images

ኣምባሳደር ሜክሲኮ ኣብ ኣርጀንቲና፡ ሓዲሽ ናይ ስርቂ ክሲ ተመስሪትዎ እንከሎ ካብ ስልጣኑ ከም ዝወረደ ተፈሊጡ።

ንሱ ኣብ ሓደ ቤተ-መጽሓፍቲ መጽሓፍ ሰሪቁ ክወጽእ ከም ዝተታሕዘ ይፍለጥ።

ወዲ 77 ዓመት ኣምባሳደር ሪካርዶ ቫለሮ፡ ብሰንኪ ጥዕናዊ ጸገማት ካብ ስልጣኑ ክወርድ ከም ዝተገደደ ኣመልኪቱ'ዩ።

ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሜክሲኮ'ውን፡ እቲ ኣምባሳደር ናይ ሰነ-መትኒ ክንክን ይግበረሉ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ኣብዚ ወርሒ፡ ኣብ ቦነስ-ሳይረስ ኣብ ዝርከብ ቤተ-መጽሓፍቲ፡ መጽሓፍ ወሲዱ ኣብ ውሽጢ ጋዜጣ ጠቕሊሉ ከይኸፈለ ክወጽእ ክብል ብቪድዮ ተታሒዙ ነይሩ።

ዋጋ እታ መጽሓፍ ድማ ሽውዓተ ዶላር ጥራሕ እያ ነይራ።

ኣብዚ እዋን ድማ፡ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ካምቻ ሰሪቕካ ተባሂሉ ተኸሲሱ ይርከብ።

ንሱ ንዲፕሎማስኛታት ዝወሃብ ናይ ዘምእሳር መሰል ስለ ዝተጠቐመ፡ እቲ ጉዳይ ናብ ካልእ ክስጉም ኣይከኣለን።

ይኹን'ምበር፡ እታ ቪድዮ ምስ ተዘርግሐት ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሜክሲኮ ተጸዊዑ ነይሩ።

ብድሕሪ እዚ'ውን ካብ ዓለም-ለካዊ መዕረፎ ነፈርቲ ቦነስ-ሳይረስ ካምቻ ሰሪቑ ናብ መክሲኮ ክበርር ክብል ተታሒዙ።

"ሪካርዶ ቫለሮ ንፉዕ ሰብ እዩ። ኣብዚ እዋን ናይ ስነ-መትኒ ክንክን ይገብር ኣሎ፡ ቀልጢፉ ክሓዊ ድማ ምንዮትና ንገልጸሉ" ክብል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሜክሲኮ ኣብ ትዊተሩ ጽሒፉ።

ኣምባሳደር ሪካርዶ ቫለሮ፡ ኣብ 2013 ናይ ሓንጎል ሕበጥ ካብ ዘጋጥሞ ንደሓር፡ ኩነታት ጥዕንኡ ብክኢላታት ሓካይም ክከታል ከም ዝጸንሓ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት