'ንሊቨርፑል ክነርክባ ኣይንኽእልን' ፐፐ ጋርዲዮላ

ፐፐ ጋርዲዮላ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ፐፐ ጋርዲዮላ

ስጳኛዊ ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ሲቲ ፐፐ ጋርዲዮላ፡ ውደድር ዋንጫ ፕሪመር ሊግ መን ዓተረ ከምዘብቐዐ ሓቢሩ።

ንሱ፡ ነዚ ዝገለጸ ትማሊ ምሸት ጋንትኡ ማንቸስተር ሲቲ፤ ብዎልቭስ 3-2 ምስተረተዐት እዩ።

ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ፡ ብ14 ነጥቢ ፍልልይ ብሊቨርፑል ትምራሕ ከምዘላን፤ ብሌስተር-ሲቲ ድማ 1 ነጥቢ ጥራሕ ትምራሕ ኣላ።

ንሱ፡ ወድድር ዋንጫ ኣብቒዕዶ ተባሂሉ ምስ ተሓተ "እወ፡ እቲ ናይ ነጥቢ ጸብለልታ ኣዝዩ ገፊሕ እዩ" ክብል መሊሱ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ፡ ማንቸስተር ሲቲ ካብቲ ናይ ዓሚ ውድድር ንላዕሊ 5 ግዜ ተሳዒራ'ላ።

ክለብ ማንቸስተር ሲቲ ልዕሊ ሊቨርፑል ዝያዳ ጸወታ ተጻዊቶም ምህላዎምን፡ ኣብዚ ደረጃ ንሊቨርፑል ከርከቡ ዝኽእልሉ ርብርብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምዃኑ ይግለጽ።

"ኣብዚ እዋን ንሊቨርፑል ክተርክብ ምሕሳብ ከቢድ እዩ። ንሌስተር-ሲቲ ክነርክብ ኢና ንሓስብ ዘለና" ክብል ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ሲቲ ፐፐ ጋርዲዮላ ተዛሪቡ።

ናይ ክንፊ ተጻወታይ በርናርዶ ሲልቫ'ውን፡ እዚ ዘለውዎ ኩነታት ኣዝዩ ዝጨናንቕ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፡ ሊቨርፑል ብኽንድዚ ዝኣክል ንጥቢ ክመርሖም ወላ ሓደ ሰብ ዘይተጸበዮ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብዚ እዋን፡ ሊቨርፑል ነዚ ውድድር ምሉእ ብምሉእ ተቖጻጺራቶ ከምዘላን ንቐረባ መቐናቕታ ዝነበረት ሌስተር-ሲቲ 4-0 ስዒራታ።

ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል፡ ነዛ ንዝሓለፈ 30 ዓመት ዋንጫ ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ከይዓተረት ዝጸንሓት ጋንታ፡ ሎሚ ዓመት ከዐውታ ተኽእሎ ከምዘለዎ ብዙሓት ወገናት ስፖርት ይገልጹ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት