ኤርትራውያን ነበርቲ ኣውስትራልያ ብዛዕባ ባርዕ ሓዊ እንታይ ይብሉ?

ሰባት ናብ ውሑስ ቦታ ክሃድሙ እንከለው

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images

ኣብ ጫካታት ኣውስትራልያ ብዝተወልዐ ሰፊሕ ባርዕ ሓዊ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርትን በጻሕቲ ዓድን ተመዛቢሎም ከምዘለው ተገሊጹ።

እቲ ንልዕሊ ኣርባዕተ ወርሒ ዝቕጽል ዘሎ ባርዕ ሓዊ፡ ኣስታት 50 ሽሕ ሰባት ብዘይ ኤለክትሪክን ዝስተ ማይን ክተርፉ ከምዝገበሮም'ውን ጸብጻባት ገሊጾም።

ዋላ'ኳ ነቲ ከቢድ ጉድኣት ዘውርድ ዘሎ ባርዕ ንምጥፋእ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መጥፋእቲ ሓውን ወለንታውያን ተሓጋገዝቶምን ተዋፊሮም እንተሃለዉ፡ ክቆጻጸርዎ ግን ኣይከኣሉን ዘለዉ።

ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ተኸሲቱ ዘሎ ልዑል ሙቐት ኣየርን ሓያል ንፋስን፡ እቲ ባርዕ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ እናኾነ ይኸይድ ከምዘሎ'ውን ተሓቢሩ።

ካብቲ ኣብ ኒው ሳዉዝ ዌልስን ቪክቶርያን ዝተባህለ ዞባታት ተኸሲቱ ዘሎ ባርዕ ጫካታት፡ ብውሕዱ 20 ሰባት ከምዝሞቱን፤ ካልኦት ብዙሓት ድማ ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠን ተፈሊጡ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Shutterstock

ብኣማኢት ዶላራት ዝትመን መንበሪ ገዛውቲ'ውን ናብ ሓማኹሽቲ ተቐይሩ'ሎ። ኣብ ወሰናስን ከተማ መልበርን ዝነብሩ ከባቢ 100 ሽሕ ሰባት ድማ ከባቲ ቦታ ክግዕዙ ተነጊርዎም ኣሎ።

ክሳብ ሕጂ እቲ ብልዑል ናህሪ ዝጎዓዝ ዘሎ ባርዕ ሓዊ፡ 7.4 ሚልዮን ሄክታር መሬት ኣቃጺሉ'ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ እቲ ባርዕ ሓዊ ገና ንኣዋርሕ ክቕጽል ምዃኑ ሓቢሩ'ሎ።

ሰራዊት እታ ሃገር'ውን ብመራኽብን ሄሊኮፕተራትን ተሰንዩ ነቶም በቲ ሓዊ ተዓጊቶም ዘለው ዜጋታት ናብ ውሑስ ቦታ ኣብ ምጉዕዓዝ ተዋፊሩ ይርከብ። እቲ ሰራዊት ነቶም ዝተመዛበሉ ሰባት መግብን ማይን'ውን ይዕድል ኣሎ።

ካብቲ ባርዕ ሓዊ ዝትፋእ ዘሎ ትኪ፡ ንከተማታት ኣውስትራልያ ዓብሊኽወን፡ ጩራታት ጸሓይ'ውን ከይተረፈ ከልኪልወን ይርከብ።

ትኪ ናይቲ ባርዕ ሓዊ፡ ኣብ ርእሰከተማ ካንበራ ብከላ ብምፍጣር ብዙሓት ሰባት ንጸገማት ምስትንፋስ ክቃልዑ ከምዝገበረ ይግለጽ። እቲ ትኪ ንልዕሊ 2 ሽሕ ኪ.ሜ ተጓዒዙ ኣብ ሃገረ ኒውዚላንድ በጺሑ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ግርማይ ሓደ ካብ ነበርቲ ከተማ ብሪዝበይን ኮይኑ፡ ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ባርዕ ሓዊ ብባህርያዊ ሙቐት ዝተኸስተ ከምዝኾነን፡ ኣብዚ እዋን እቲ ባርዕ ሓዊ ካብ ምቁጽጻር ወጻኢ እናኾነ ይኸይድ ከምዘሎን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እዚ ዘሎ ባርዕ ሓዊ ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑን፡ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ብዙሕ ጉድኣት ኣውሪዱ ከምዘሎን'ውን ሓቢሩ።

ብተወሳኺ፡ እቶም ነቲ ሓዊ ከጥፍኡ ለይትን መዓልትን ዝቃለሱ ዘለው መጥፋእቲ ሓውን ወለንተኛታትን'ውን በቲ ሓዊ ጉድኣት ቢጺሕዎም ኣሎ ኢሉ።

መንግስቲ ነቲ ሓዊ ንምቁጽጻር ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ይወስድ ኣሎ ዝበለ ግርማይ፡ ኣብዚ እዋን ዝናብ ብዘይምህላው ነቲ ባርዕ ሓዊ ዝያዳ ኣጋዲድዎ ከምዘሎ የረድእ።

እንድርያ ኒቆዲሞስ'ውን ብሰንኪ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ባርዕ ሓዊ፡ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ሰባት ካብ ቤቶም ተመዛቢሎም ናብ ውሑስ ቦታታት ይጓዓዙ ብምህላዎምን፤ ኣብ ወሰናስን ዝርከባ ንኣሽቱ ከተማታት ድማ ከምዝዓነዋ ይዛረብ።

ኣብ ከተማ 'ኒው ሳዉዝ ዌልስ' ድማ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ከምዝኣወጁ ኣፍሊጡ።

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኤርትራውያን ነበርቲ ኣውስትራልያ፡ ኣካል ናይቲ ሕብረተሰብ ብምዃኖም ኣቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ባርዕ ሓዊ ከምዝጸልዎምን ይገልጽ።

እንተኾነ ግን፡ ኣብዝሓ እቲ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ስለዝነብር፡ እቲ ባርዕ ድማ ኣብ ወሰናስን እቲ ከተማታት ብምዃኑ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣውስትራልያ ዝህልዎ ሃስያ ንኡስ ክኸውን ከምዝኽእል ይግምት።

ይኹን ድኣ'ምበር፡ ከም ኣካል ናይቲ ሕብረተሰብ እቲ ኩነታት ብዙሕ ከምዘሻቅሎም ተዛሪቦም።