ወተሃደራዊ እዚ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ 'ወተሃደራት ኬንያ ካብ መጥቃዕቲ ኣልሻባብ ኣይተሓብኡን' ኢሉ

ኣፍሪኮም እዚ (ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ) ነቲ መዋፈሪ ንምሕላው ቁጽሪ ወተሃደራት ወሲኹ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣፍሪኮም እዚ (ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ) ነቲ መዋፈሪ ንምሕላው ቁጽሪ ወተሃደራት ወሲኹ

ወተሃደራዊ እዚ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ - ኣፍሪኮም - ዕጡቓት ኣልሸባብ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኬንያ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ክፍጽም እንከለዉ፡ ወተሃደራት ኬንያ "ኣብ ሳዕሪ ተሓቢኦም" ንዝብል ጸብጻብ ነጺጉ።

'ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ' ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ዕጡቓት ኣልሸባብ ኣብ ልዕሊ'ቲ ወተሃደራዊ መዋፈሪ መጥቃዕቲ ክፍንው ከለዉ ወተሃደራት ኬንያ፡ ከምዝሃደሙን ኣብ ሳዕሪ ከምዝተሓብኡን ገሊጹ ነይሩ።

ነዚ ደማ ሓይሊ ምክልኻል ኬንያ ከምዝነጸጎ ናይ ኬንያ ጋዜጣ 'ደይሊ ኔሽን' ሓቢራ።

ሓይልታት ኣሜሪካን ኬንያን ነቲ መጥቃዕቲ "ቅልጡፍን ዕውትን" ግብረመልሲ ብምሃቦም "ቁጽሪ ግዳያትን ክበጽሕ ዝነበረ ዕንወትን ክንክይ" ከምዝኸኣለ እቲ እዚ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ሽዑ እዋን ሓሙሽተ ዕጡቓት ኣልሸባብ ከምዝተቐተሉን ካልኦት ብዙሓት ከምዘንሰሓቡን ኣብ መግለጹኡ ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣሜሪካ ነቲ መጥቃዕቲ ዝምርምር ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ከምዝሰደደት ይግለጽ።

ኣብቲ ብ 5 ጥሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሓደ ኣባል ሰራዊት ኣሜሪካን ክልተ 'ኮንትራክተራትን' ተቐቲሎም'ዮም።

እቲ 'ካምፖ ሲምባ' ብዝብል ዝፍለጥ ወተሃደራዊ መዓስከር፡ ላሙ ኣብ ዝበሃል ክፋል ኬንያ ዝርከብ ኮይኑ ሰራዊት ክልትኤን ሃገራት ይጥቀሙሉ።

ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ ከምዝጸብጸቦ፡ ኣብቲ እዋን መጥቃዕቲ ወተሃደራት ኬንያ ዘርኣይዎ ምንቅስቓስ ንኣሜሪካውያን ብጾቶም ዘጉሃየ ነይሩ።

ዕጡቓት ኣልሸባብ ካብቶም ኣብቲ መዋፈሪ ዝነበሩ ኬንያውያን ሓበሬታ ረኺቦም ክኾኑ ከምዝኽእሉ'ውን ኣተንቢሁ።

ወሃቢ ቃል ሰራዊት ኬንያ ግን፡ እቲ 'ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ' ዘውጸኦ ጽሑፍ ኣብ ሓቅታት ዝተደረኸ ኣይኮነን ኢሉ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰራዊት ኬንያ ምስ ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ እዋን ልምምድ ጸረ-ሽበራ

ዝርዝር ናይቲ መጥቃዕቲ ክፍለጥ ዝኽእል፡ ነቲ ጉዳይ ብሰፊሕ ይምርምር ዘሎ ቦርድ፡ ርኽበቱ ብወግዒ ምስገለጸ እዩ ድማ ኢሉ።

"እቲ ዜና ኣብ ሓቂ ዝተደረኸ ኣይኮነን። እሞ ድማ፡ ምጽራይ ገና ይካየድ እዩ ዘሎ። ካብቶም መርመርቲ ዛጊድ ዝወጸ ጸብጻብ የለን፤ ዝኾነ ብወግዒ ዝተገለጸ ነገር የለን" ኢሉ።

ኣብ ኬንያ እትሕተም ጋዜጣ ደይሊ ኔሽን ብወገና፡ ሓደ ስሙ ዘይተገለጸ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ብምጥቃስ "ካምፕ ሲምባ ኣብ ምድሪ ኬንያ ዝተደኮነ ናይ ሰራዊት ኣመሪካ መዓስከር እዩ። ዝሕልውዎን ዝቆጻጸርዎን ባዕሎም ኣሜሪካውያን እዮም" ከምዝበለ ሓቢራ።

ወሲኹ ድማ "ኣብቲ መዋፈሪ ዘጋጠመ ነገር ምስጢራዊ እዩ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን፡ ክንደይ ወተሃደራት ኣሜሪካ ከምዝነበሩ'ኳስ ኣይተዛረቡን። ነቲ መዓስከር ዝመርሕዎን ዝቆጻጸርዎን ባዕሎም እዮም" ክብል ተዛሪቡ።