ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንተቓወምቱ ይኣስር ምህላው ገሊጹ

ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ካብ ሓያሎ ወገናት ነቔፌታት ይበጽሖ'ሎ

ዓለም-ለኸ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፤ ኣብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ መጺኡ ዝበሎ ምንክልባት ደገፍትን ኣባላትን ተቓወምቲ ውድባት ኮኒኑ።

ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ሰላም ሽልማት ካብ ዝወሰደ ሓደ መራሒ ሃገር ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ምፍጻሙ ድማ ምሒር ከጉህየኒ ጀሚሩ ኣሎ ኢሉ-ኣምነስቲ።

እቲ ትካል ዝረኸቦ መረዳእታ ገይሩ ትማሊ ኣማሽዩ ዘውጸኦ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ኢትዮጵያ መረጻ ዝካየደሉ ሰዓት እናተቓረበ ኣብ ዝመጽአሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን፤ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ውድባት ጸቕጢ ክፈጠር ይሰርሕ ኣሎ።

ብምዃኑ ድማ፤ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ጥራሕ መንግስቲ ክልል ኦሮምያ 75 ደገፍቲ ግንባር ሓርነት ኦሮም [ኦነግ] ከምዝኣሰረ እቲ ትካል ኣቃሊዑ።

ዳይሬክተር ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ዲፕሮዝ ሙቸና ፤ "ከምዚ ዓይነት በሃበ-ተረኽበ ዝፍጸም እስራት፤ ቅድሚ መረጻ 2012 ሓሳብ ናይ ምግላጽ ነጻነት ምዕፋንን ናይ ምውዳብን ምእካብን መሰል ምጥሓስን እዩ" ኢሉዎ።

እቲ እስራት ፍንጫኣ ኣብ ዝተብሃለት ኣብ ዞባ ምዕራብ ጉጂ ኦሮምያን ኣሻምቡ ኣብ ዝተብሃለት ኣብ ዞባ ሆሮ-ጉድሩ ወለጋ እዩ ተፈጺሙ።

ጫልቱ ታከለ ፍልጥቲ ንጥፍቲ ፖለቲካ እያ። ኣብ ከባቢ ሆሮ-ጉዱሩ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ንጎሆ ብፖሊስ ተታሒዛ ምስተኣስረት ዛጊድ ኣይተለቐቐትን።

ምንጪ ስእሊ, Amnesty International

ጫልቱ ታከለ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣባል ኦነግ ተባሂላ ካብ 2008 ክሳብ 2016 ንሸሞንተ ዓመት ዝኣክል ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒና እያ። ኣብቲ እዋን፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኦነግ ከም ሓደ ፈጣሪ ራዕዲ ውድብ ገይሩ እዩ በይኑዎ ጸኒሑ።

እቲ ፖለቲለካዊ ለውጢ ስዒቡ፤ ፓርላማ እታ ሃገር፤ ንኦነግ ሓዊሱ ኣብ ግብረ ሽበራ ኣስፊርዎም ዝጸንሐ ውድባት ነጻ ገይርዎም እዩ ።

ብድሕሪ እዚ ስጉምቲ ምውሳድ'ውን እንተኾነ፤ ጫልቱ፡ ክልተ ግዘ ንሓጺር እዋን ተኣሲራ ነይራ።

ፖሊስን ወተሃደራት መንግስትን ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብቲ ከባቢ እናኣረዩ ናብ ወተሃደራዊ ማእኸል ክዳጉኑዎም ከምዝጸንሑ ዝገለጸ ኣምነስቲ፤ ገለ እዋን ድማ 'ተሃድሶ' ብዝብል ናብ ስልጠና ከእትዎም ጸኒሑ።

እዚ ሕዚ ዝተፈጸመ እስራት ናይቲ ዝጸንሐ ናይ ምእሳር ካሊእ ዙር እዩ ኢሉዎ።