ምኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ዑስማን ሳልሕ ንእገዳ ትራምፕ ነጺጉ

ባንዴራታት ኣሜሪካን ኤርትራን

መንግስቲ ኤርትራ ሎሚ 02 ለካቲት ነቲ ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝተወስደ ዝኹንን ወግዓዊ መግለጺ ኣውጺኡ።

እቲ መግለጺ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ ገለ ሃገራት - ንስቱር ምኽንያታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ንምብራስ (ምጉሕጓሕ) ክኽተልኦ ንዝጸንሓ "ምሃብ ቅጽበታዊ ዕቚባ"ን ካልእ ዝምቡዕ ስጒምቲታትን ብቐጻሊ ክቃወሞ ከምዝጸንሐን፡ ኣንጻር'ቶም ተመሳሳሊ ፖሊሲታት ዝተኸተሉ ዝሓለፉ ምምሕዳራት ኣመሪካ'ውን፡ ኣብ 2004ን 2009ን ሕጋዊ ኣቤቱታ ከምዘቕረበን ይጠቅስ።

ቀጺሉ፡ ነቲ ናይ ሕጂ ውሳን ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ዋላ'ኳ ብቴክኒካዊ ረቛሒታት ምኽኑይ እንተመሰለ፡ ብዘይ ዝዀነ ሰበብ ንኤርትራ ብፍሉይ ኣነጻጺሩ ኣሉታዊ መልእኽቲ ንምሕላፍ ዝዓለመ'ዩ ክብል ይገልጾ። ኣብ መወዳእታ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ እቲ ውሳነ ነቲ ምምሕዳር ኣመሪካ፡ ንዝሓለፈ ጌጋታት ንምእራም ዝኽተሎ ናይ ሃናጺ ጽምዶ እዉጅ ፖሊሲኡ ስለዝጻረር እምብዛ ከምዘርመሞን ይገልጽ።

ኪርጊዝስታን እውን ልክዕ ከም ኤርትራ ነቲ ትራምፕ ዘጽደቖ ናብ ስደተኛታት ሽዱሽተ ሃገራት ዘተኮረ ኣዘራራቢ መገሻ እገዳ ኮኒናቶ ኣላ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ መሓመድ፡ መንግስቲ ኤርትራ እቲ ትራምፕ ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ኣመሪካ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዝምድና ዘሐርፍፍ ተግባር እዩ ክብል ገሊጹዎ።

እዚ ስጉምቲ እዚ ተቐባልነት የብሉን፡ ክብል ከኣ ንሮይተርስ ብቴሌፎን ከምዝሓበረ ማዕከን ሓበሬታ ኣልጀዚራ ንሮይተርስ ጠቒሳ ሓቢራ።

ኪርጊዝስታን እውን፡ እቲ ናብ ውሱናት ሃገራት ዘነጻጸረ 'መራጺ' እገዳ መገሻ: ንዝምድናን ርክብን ኣመሪካን ሃገራን ዘላሕልሕ እዩ ክትብል ገሊጻቶ።

እዘን ክልተ ሃገራት ካብተን ብፕረዚደንት ትራምፕ ናይ መገሻ እገዳ ዝተገብረለን ሽዱሽተ ሃገራት እየን።

እቲ ንዜጋታት ናይጄርያ፣ ኤርትራ፣ ኪርጊስታንን ሚያንማርን፡ ኣብ ኣመሪካ ብቐዋምነት ክነብሩ ዘኽእሎም ቪዛ ንምእላይ እያ፡ እቲ እገዳ ኣጽኒዓቶ።

ምንጪ ስእሊ, united nations

መግለጺ ስእሊ,

ዑስማን ሳልሕ

እቲ እገዳ ብተወሳኺ፡ ዜጋታት ሱዳንን ታንዛንያን እውን ንኣመሪካ ዘእቱ ናይ ሎተሪ ቪዛ( diversity visas)፡ ንከየመልክቱ ይኽልክል።

ይኹን'ምበር ኣመሪካ ኣብ ዓመተ 2018፡ ንሸሞንተ ሽሕ ናይጄርያውያንን ክልተ ሽሕ ሱዳናውያን ቪዛ ክትህብ እንከላ፡ ንኤርትራውያን ግን ን 31 ጥራይ እያ ቪዛ ፈቒዳ።

እቲ ካብ 21 ለካቲት ዝጸንዕ እገዳ ንዜጋታት እተን ዝተጠቕሳ ሃገራት ኣብ ኣመሪካ ብቐዋሚ ንክትነብር ዘፍቅድ ቪዛ ክኽልክል እዩ።

ናይጀርያ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝከራኸር ኮሚተ ከምእተቕውም ክትሕብር እንከላ፡ ታንዛንያ ግን ካብ ኣመሪካ ወግዓዊ እገዳ መገሻ ከምዘይበጽሓ ትሕብር።

እቲ ኩነታት ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣመሪካውያን፡ እቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ብምቅዋም ዳግመ ግምት ንክግበረሉ ፌርማታት ከተኣኻኽቡ ምጽነሖም ንቢቢሲ ትግርኛ ሓቢሮም ነይሮም።