ህወሓት ኣመራርሓ ኤኤንሲ ምስ ዝርከቡዎም ፈተውቱ ዘትዩ

ንውድቦም ወኪሎም ዝመፅኡ ካብ ደቡብ ኣፍሪካ ኢኤንሲ፣ ካብ ሱዳን ክልላት ከሰላን ገዳሪፍን፣ ከምኡ እውን ብውልቀ ዝተዓደሙ ካብ ካናዳ፣ ኣየርላንድ፣ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ጀርመንን ህንድን ዝመፅኡ ምሁራት ተሳቲፎም።
ኣብቲ ዋዕላ ዛንታ ተጋድሎ ህወሓት፡ ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ትግራይን ተገሊፁሎም።
እቲ ዘተ ብኣምባሳደር ብርሃነ ገብረክርስቶስን ኣይተ ጌታቸው ረዳን ተመሪሑ።
ነባር ተጋዳላይ ኣምባሳደር ብርሃነ ገብረክርስቶስ : 11 ብዛዕባ ውትድርና ፍልጠትን ስልጠናን ዘይነበሮም እሞ ድማ ዘበናዊ ብረት ዘይተዓጠቑ ተምሃሮ ኣብ ደደቢት ዝበሃል በረኻ ቃልሲ ከም ዝጀመሩ ኣብሪሁሎም።ይኹን እምበር "ዕላማና ብህህቢ ተቐባልነት ስለዝረኸበ ብህዝባዊ ድጋፍ ኩሎም ፀገማት ሰጊርናዮም ተዓዊትና" ኢሎም።ብፍላይ ብእዋን ድርቂ 1977 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፀሐ ጥሜትን ሞትን ብዘሕዝን ኩነት ዘኪሮም ኣዘንትዮምሎም።ህወሓት ኣብ ከይዲ እቲ ቃልሲ ካብ ሱዳን: ሱማልያን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ሃገራትን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ድጋፍ ትረክብ ምንባራ እውን ገሊፆም ኣምባሳደር ብርሃነ።
ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኸበት ኣካያዲት ስራሕ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሰልፊ ኤኤንሲ ኣምባሳደር ፌቤ ፖትጊተር ኣብቲ ዋዕላ ብዛዕባ "ኣብ ከይዲ ጉዕዞ 45 ዓመት ህወሓት፣ 17 ዓመታት ዝወሰደ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ እዋን ስግግር መንግስትን ብኣውርኡ ድማ ኣብቲ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ዝነበረ ልምዓታዊ መንግስቲ" ገለጻ ከም ዝተገበረሎም ተዛሪባ።
ብተወሳኺ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት እታ ሃገር ከም ዝተዛተዩ ዝገለጸት እታ ኣምባሳደር " እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ኩነታት ዘላ ይመስለኒ፤ ደቡብ ኣፍሪካ ሓዊሱ ኩለን ሃገራት ኣፍሪካ ነታ ብዙሕ ህዝቢ ዘለዋን ብቑጠባዊ ዕየትን ልምዓታዊ መንግስትን ኣብነት ዝኾነት ሃገር ትጽቢት ይገብራላ እየን። እታ ሃገር ሓድነታ ሓልያን ፍልልያታ ኣኽቢራን ክትቅጽል ክንሕግዝ ኢና" ኢላ።
ውድብ ህወሓት ብዝምልከት ድማ" እቲ ውድብ ገስጋሳይን ንፌደራሊዝም ዝሕለቕን ምዃኑ ግልጺ እዩ" ብምባል ዝኽተሎ ሞዴል ልምዓታዊ መንግስቲ ብዙሓት ሰባት ካብ ድኽነት ንምውጻእ ዘኽእል'ዩ ኢላ።