"መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፡ ኮነ ኢሉ ዜጋታት ክጠምዩ ይገብር ኣሎ"

ሪክ ማቻርን (ጸጋም) ሳልቫ ኪርን (የማን) Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ መራሒ ተቓዋሚ ደቡብ ሱዳን ሪክ ማቻርን (ጸጋም) ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪርን (የማን)

መንግስቲ ደቡብ ሱዳንን ካልኦት ዕጡቓት ጉጅለታትን፡ ሰላማውያን ሰባት ኮነ ኢሎም ብጥምየት ክሳቐዩ ይገብሩ ኣለዉ ክብል፡ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ከሲሱ።

ሰብኣዊ ሓገዝን ካልኦት መሰረታዊ ግልጋሎታትን ኮነ ኢሎም ብምዕጻው ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር፡ ኣብ ሓያል ጥምየት ክወድቁ ከምዝገበሩ እቶም መርመርቲ ገሊጾም።

ብተወሳኺ ብሚልዮናት ዶላራት ዝቑጸር ገንዘብ እታ ሃገር ብሰበ ስልጣን እታ ሃገር ከምዝተዘረፈ እቶም መርመርቲ ሓቢሮም።

እቲ ጸብጻብ ተናሓናሕቲ ጉጅለታት እታ ሃገር ልፍንቲ መንግስቲ ከጣይሱ ዝተቐመጠሎም ግዘ ገደብ ክልተ መዓልቲ እንትተርፎ እዩ ወጺኡ ዘሎ።

ቅድም ክብል እቶም ተናሓናሕቲ ሓይልታት ውዕል ሰላም ክገብሩ ዝተፈተነ ጻዕሪታት ኣይሰመሩን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት