ዙር ርዋንዳ 2020፡ ኢትዮጵያዊ ክንፈ ሃይለሚካኤል ተዓዋቲ ካልኣይ መድረኽ ኮይኑ

ተዓዋቲ ካልኣይ መድረኸ ዙር ርዋንዳ ክንፈ ሃይለሚካኤል Image copyright Tour du Rwanda/Twitter

ሎሚ ሰኑይ ካብ ርእሰ ከተማ ኪጋሊ ናብ ሁየ ዝተኻየደ 120.5 ኪሜ ርሕቐት ዝሸፈነ ውድድር ካልኣይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2020፡ ኢትዮጵያዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ኒፖ ደልኮ ፕሮቪንስ፡ ክንፈ ሃይለሚካኤል ተዓዊቱ።

ብተመሳሳሊ ግዜ ዝኣተው ተቐዳዳሚ ጋንታ ኣንድሮኒ ጆካቶሊ ኮሎምብያዊ ጆናታን ሬስትሬፖ ካልኣይ፡ ተቐዳዳሚ ጋንታ ኒፖ ደልኮ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ሳልሳይ ኮይኖም ዛዚሞም።

ኤርትራውያን ተቐዳዳምቲ ሲራክ ተስፎም [ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ]፡ መክሰብ ደበሳይ [ባይክ ኤይድ]፡ ከምኡውን ናትናኤል ተስፋጽዮን [ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ] ካብ ሓሙሻይ ክሳብ ሻብዓይ ተሰሪዖም ኣትዮም።

ምስ ቲኤስጂ ሳይክሊን ተሰሊፉ ዘሎ ኤርትራዊ መትከል እዮብ ዓስራይ፡ ተቐዳዳሚ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ሃይለመለኮት ሃይሉ መበል 11 ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ኮይኑ ሓምላይ ማልያ ዝለበሰ ሄኖክ ሙሉብርሃን መበል 14 ኮይኖም ግዜ ከየጥፍኡ ውድድሮም ዛዚሞም።

ተዓዋቲ ቀዳማይ መድረኽ ተቐዳዳሚ ጋንታ ቪኖ ኣስታና ሞቶርስ የቭጌኒ ፌደሮቭ ብ 5 ሰዓት 48 ደቒቕን 20 ካልኢትን ብጫ ማልያ ክዕቅባ ከሎ፤ ኤርትራውያን ሄኖክ ሙሉብርሃንን ቢንያም ግርማይን፡ 15ን 18ን ካልኢት ድሒሮም፤ ካልኣይን ሳልሳይን ኮይኖም ይስዕብዎ ኣለው።

ብሓፈሻ ናትናኤል ተስፋጽዮን [ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ] ሻድሻይ፡ ኢትዮጵያዊ ክንፈ ሃይለሚካኤል [ኒፖ ደልኮ ፕሮቪንስ] ታሽዓይ፡ መክሰብ ደበሳይ [ባይክ ኤይድ] ዓስራይ ኮይኖም ተሰሪዖም ኣለው።

ተዓዋቲ ናይዚ መድረኽ ክንፈ ፈላሚ ፕሮፌሽናል ዓወቱ ምዃኑ ጋንትኡ ብትዊተር ገሊጻ።

ቅድሚ ሕጂ፡ ኢትዮጵያዊ ተቐዳዳማይ በረኸት ደሳለኝ ተዓዋቲ ሻዱሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2018 ኮይኑ ምንባሩ ይዝከር።

ውጽኢት ቀዳማይ መድረኽ

ንመበል 12 ግዜ ዝካየድ ዘሎ ዙር ርዋንዳ 2020 ትማሊ ሰንበት'ዩ ኣብ ኣብ ከተማ ኪጋሊ ተኸፊቱ።

ኣብቲ 114 ኪሜ ዝሸፈነ ካብ ርእሰከተማ ኪጋሊ ተበጊሱ ርዋማጋና በጺሑ ኣብ ኪጋሊ ዝተዛዘመ ቀዳማይ መድረኽ እቲ ውድድር ካዛኪስታናዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ኣስታና ሞቶርስ የቭጌኒ ፈደሮቭ ተዓዊቱሉ።

ተቐዳዳሚ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሄኖክ ሙሉብርሃን 15 ካልኢት ድሒሩ ካልኣይ ክኣቱ ከሎ፡ ምስ ጋንታ ኒኮ ደልኮ ተሰሊፉ ዘሎ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ሰለስተ ካልኢት ጸኒሑ ሳልሳይ ኮይኑ ዛዚሙ።

ተቐዳዳሚ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናትናኤል ተስፋጽዮን ካብ ቀዳማይ 26 ካልኢት ድሒሩ ሻብዓይ ኮይኑ ብምእታው ምስ ዓሰርተ ቀዳሞት ዛዚሙ ኣሎ።

መክሰብ ደበሳይ [ባይክ ኤይድ] መበል 12፡ ዳዊት የማነ [ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ] መበል 15፡ ሲራክ ተስፎም [ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ] መበል 20፡ ኢትዮጵያዊ ክብርኣብ ተስፋይ [ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ] መበል 24 ኣትዮም።

ብደረጃ ጋንታ ቪኖ ኣስታና ቀዳመይቲ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካልኣይቲ፡ እስራኤል ስታርት-ኣፕ ኔሽን ሳልሳይ ተርታ ሒዘን ናብ ቅድድም ካልኣይ መድረኽ ወሪደን ኣለዋ።

ተቐዳዳማይ የቭጌኒ ፈደሮቭ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ብዘመዝገቦ ዓወት ናይ ግዜ፡ ናይ ዓቐብ፡ ቮላታን ንዝነኣሰ ብሉጽ ተቐዳዳማይ ዝወሃቡ ማልያታት ክለብስ ከሎ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ንብሉጽ ኣፍሪቃዊ ዝወሃብ ሓምላይ ማልያ ለቢሱ ኣሎ።

ሎሚ ዝካየድ ካልኣይ መድረኽ ውድድር ካብ ኪጋሊ ናብ ሁየ ዝካየድ ኮይኑ 120 ኪሜ ዝሽፍን፡ ዓቐብ ቁልቁለትን ጎላጉልን ዘለዎ ክኸውን እዩ።

እቲ ሸሞንተ መድረኻት ዘለዎ ክሳብ 1 መጋቢት ዝቕጽል ውድድር፡ ናይ 2.1 መዓቀኒ ዘለዎ ዓለምለኻዊ ውድድር እዩ።

ኣብዚ ውድድር ካብ 26 ሃገራት ዝመጽኡ ኣብ 16 ጋንታታት ዝተጠርነፉ 80 ተቐዳደምቲ ይሳተፉ ኣለው።

ኣብቲ ውደድር ርዋንዳ 15 ተጻወትቲ ብምስላፍ ኣብ ቅድሚት ክትስራዕ ከላ፡ ትሽዓተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ይሳተፉ ኣለው።

ብኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰለሞን እትእለይ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ንናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ሲራክ ተስፎም፡ መሓሪ ተወልደን ዳዊት የማነን ኣሰሊፋ ኣላ።

ብዝይካ'ዚ መኽሰብ ደበሳይ ምስ ባይክ ኤይድ፡ መትከል እዮብ ምስ ቲኤስጂ ሳይክሊን፡ ቢንያም ግርማይ ምስ ኒፖ ደልኮ ከምኡውን ኤርትራዊ ሽወደናዊ ዓወት ዓንደመስቀል ምስ ጋንታ እስራኤል ስታርት-ኣፕ ኔሽን ብምዃን ኣብቲ ውድድር ይሳተፉ ኣለው።

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ'ውን ተመስገን ቡሩ፡ ነጋሲ ኣብርሃ፡ ሃይለመለኮት ሃይሉ፡ ክብረኣብ ተስፋይን ፊልሞን ዘርኣብሩኽን ኣሰሊፋ ኣብዚ ውድድር ትሳተፍ ኣላ።

ብዘይካ'ዚ ኢትዮጵያውያን ሃፍተኣብ ወልዱ ምስ ጋንታ ፕሮታች፡ ከምኡውን ሙሉ ሃይለሚካኤል ምስ ጋንታ ኒፖ ደልኮ ብምዃን ኣብቲ ውድድር ይሳተፉ ኣለው።

ንዓስራይ ግዜ ኣብዚ ውድድር ዝሰተፍ ዘሎ ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ጋንታ ባይክ ኤይድ፡ ሓሙሽተ ግዜ ናይ መድረኽ ተዓዋቲ ብምዃኑ ዝብዝሕ ናይ መድረኽ ዓወታት ዘለዎ ተቐዳዳማይ ኮይኑ ይሳተፍ ኣሎ።

ነዚ ውድድር ኣብ 2019 መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣብ 2010 ድማ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ተዓዊቶምሉ ነይሮም። ካብ 2014 ክሳብ 2018 ግና ብርዋንዳውያን እዩ ተባሒቱ።

ኣብ ኣፍሪቃ ናይ 2.1 መዓቀኒ ዘለዎም ውድድራት ዙር ርዋንዳን ዙር ጋቦንን ጥራይ እዮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት