ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ሶማሊ ላንድ ክበጽሕ ዘቕረቦ እማመ ተቓውሞታት ገጢምዎ

ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ሶማልያ ፕረዚደንት ማሕመድ ፋርማጆ Image copyright AFP

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ምስ ፕረዚደንት ሶማልያ ተሰኒዩ ናብ ሶማሊ ላንድ ንኽበጽሕ ዘቕረቦ እማመ ብዙሕ ተቓውሞታት ይገጥሞ ከምዘሎ ጋዜጣ ዘ ኢስተ ኣፍሪካን ገሊጻ።

እቲ ናይ ምብጻሕ እማመ ብኣብዪ ኣሕመድ ዝተወስደ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ሰማልያን ሶማሊ ላንድን ዘሎ ዝምድና ንምምሕያሽ ተባሂሉ ዝቐረበ ምዃኑ እታ ጋዜጣ ገሊጻ።

ሶማልያ፡ ኣብ 1991 ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ጀነራል መሓመድ ስያድ ባረ፡ ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ናይ ዕግርግርን ኩናትን ምስ ኣተወት፡ ሶማሊ ላንድ ርእሲ-ከተማኣ ሃርገሳ ገይራ በይናዊ ናጽነት ኣዊጃ። እንተኾነ ግን፡ ክሳብ ሕጂ፡ዝኾነት ሃገር ወይ ማሕበር ኣፍልጦ ዝሃባ የለን።

ኣብዚ ወርሒ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ንመራሕቲ ሶማሊ ላንድን ሶማልያን ኣብ ቤት-ጽሕፈቱ ረኺቡ ኣዛራሪብዎም ነይሩ።

እዚ ድማ ፕረዚደንት ሶማልያ ነቲ ኣብ 1980 ዝተኻየደ ግፍዒ ንህዝቢ ሶማሊ ላንድ ይቕረታ ክሓትት ተገይሩ።

ፕረዚደንት ሶማሊ ላንድ ዋላ እኳ ነቲ ይቕረታ እንተተቀበሎ፡ ናብ ሶማሊ ላንድ ንኽበጽሕ ዝሓተቶ ጠለብ ግን "መስሓቕ" ክብል ገሊጽዎ።

ምክትል ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊ ላንደ ዓብዲ ሊባን ዩሱፍ ዑስማን፡ "ምብጻሕ ፋርማጆ ናብ ሶማሊ ላንድ ሕልሚ ቀትሪ ከምኡ'ውን ዘይከኣል ተልእኾ" ክብል ገሊጽዎ።

እታ ኣብ 1990 ነብሳ ዝኸኣለት ሃገር ምዃና ካብ እትእውጅ ክሳብ ሕጂ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘይረኸበት ሶማሊ ላንድ፡ ክሳብ ሕጂ ሓያሎ ደሞክራሲያውን ሰላማውን ምርጫ ብምክያድ ዘደንቕ ሰላማዊ ምስግጋር መንግስቲ ከምዘካየደትን ብዙሕ ኣድናቖት ዘትረፈትን ኮይና ምህላዋ ጸብጻባት የመልክቱ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት