ዙር ርዋንዳ 2020፡ ቢንያም ግርማይ ቢጫ ማልያ ተረኪቡ

ተቐዳዳሚ ጋንታ ኒፖ ደልኮ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ Image copyright Tour du Rwanda/Twitter
ናይ ምስሊ መግለጺ ተቐዳዳሚ ጋንታ ኒፖ ደልኮ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ

ሎሚ ኣብ ዝተካየደ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2020 ካልኣይ ኮይኑ ዝኣተወ ቢንያም ግርማይ ብውህሉል ነጥቢ ቀዳማይ ብምዃን ብጫ ማልያ ተረኪቡ።

ካብ ሁየ ናብ ሩሲዚ ኣብ ዝተኻየደ 142 ኪሜ ዝሸፈነ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ፡ ኮሎምብያዊ ተቐዳዳሚ ጋንታ ኣንድሮኒ ጅዮካቶሊ ጆናታን ሬስትሬፖ ተዓዊቱ።

ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ጋንታ ኒፖ ደልኮ ቢንያም ግርማይ ሓንቲ ካልኢት ድሒሩ ካልኣይ፤ ተቐዳዳማይ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሄኖክ ሙሉብርሃን ሳልሳይ ኮይኖም ዛዚሞም።

በዚ ድማ ቢንያም ግርማይ ብውሕሉል ነጥቢ ብጫ ማልያ ካብ የቭጌኒ ፌደሮቭ ተረኪቡ ኣሎ።

ብዘይካ'ዚ ወዲ 19 ዓመት ቢንያም ግርማይ ንብሉጽ መንእሰይ ዝወሃብ ማልያ'ውን ከወስድ ከሎ፤ ሄኖክ ሙሉብርሃንን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ካልኣይን ሳልሳይን ኮይኖም ይስዕብዎ ኣለው።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ውድድር፡ ተቐዳዳሚ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናትናኤል ተስፋጽዮን ራብዓይ፡ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ተቐዳዳሚ ጋንታ እስራኤል ስታርትኣፕ ዓወት ዓንደመስቀል ታሽዓይ፡ ዳዊት የማነ [ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ] ዓስራይ፡ ብምእታዎም ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ ተሰሪዖም።

ኣብ ናይ ትማሊ ሰኑይ ውድድር ካልኣይ መድረኽ ዝተዓወተ ኢትዮጵያዊ ተቐዳዳሚ ጋንታ ኒፖ ድልኮ ክንፈ ሃይለሚካኤል 52 ካልኢት ድሒሩ መበል 12 ኮይኑ ዛዚሙ።

ተዓዋቲ ሳልሳይ መድረኽ ጆናታን ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ውድድር ካልኣይ ኮይኑ እዩ ዛዚሙ ነይሩ።

በዚ መሰረት ብሓፈሻዊ ነጥቢ ሄኖክ ሙሉብርሃን [ካልኣይ] ናትናኤል ተስፋጽዮን [ራብዓይ] ኤርትራዊ ሽወደናዊ ዓወት ዓንደመስቀል ሻብዓይ፡ ዳዊት የማነ [ዓስራይ] ደረጃ ብምሓዞም፤ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሰለስተ ተቐዳዳምቲ ኣብ ብሉጻት ዓሰርተ ክተእትው ክኢላ ኣላ።

ብደረጃ ጋንታ ኤርትራ ብ28 ሰዓት 50 ደቓይቕን 18 ካልኢትን ቀዳመይቲ፡ ኒፖ ደልኮ ፕሮቪንስ 18 ካልኢት ድሒራ ካልኣይቲ፡ ኣንድሮኒ ጅዮካቶሊ ድማ 34 ካልኢት ድሒራ ሳልሰይቲ ክኾና እንከለዋ፤ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ታሽዓይ ተርታ ሒዛ ኣላ።

ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ጋንታ ቲኤስጂ ሳይከሊን መትከል ኢዮብ ብሰንኪ ሰዓል ኣብ ናይ ሎሚ ውድድር ክሳተፍ ከም ዘይከኣለ ኣብ ትዊተር ሓቢሩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት