ግረታ ቱንበርግ፡ ኣብ ኦክስፎርድ ዩኒቨርሲቲ ምስ ማላላ ዮሱፍዛይ ተራኺባ

ግረታ ቱንበርግ ማላላ ዮሱፍዛይ Image copyright @MALALA

ጓል 17 ዓመት ህብብቲ ተጣባቒት ስነ-ኣከባቢ ዓለምና ሽወደናዊት ግረታ ቱንበርግ ፡ ኣብ ለንደን፡ ኣብ ኦክስፎርድ ዩኒቨርሲቲ ምስ ማላላ ዮሱፍዛይ ተራኺባ።

ቱንበርግ ንሎንደን ዝገሸትሉ ምኽንያት፡ ነቲ ኣብ ከተማ ብሪስቶል ኣብ ዝካየድ ናይ ቤት-ትምህርቲ ኣድማ ንምጽንባር እዩ።

እታ ጓል 22 ዓመት ንመሰላት ደቂ-ሰብ እትጣበቕ ማላላ ድማ ኣብ ኦክስፎርድ ዩኒቨርሲቲ ፖሎቲካ፤ ፍልስፍና ከምኡ'ውን ስነ-ቁጠባ ትመሃር ኣላ።

ቱምበርግ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ኣብ ዝጸሓፈቶ ጽሑፍ፡ "ሎሚ ናተይ ኣርኣያ [ኣብነት] ረኺበያ" ክትብል ጽሒፋ።

ክልቲኣን ብዛዕባ እንታይ ከምዝተዛረባ እኳ እንተዘይተገልጸ፡ ብመሰረት ርእሰ-መምህር 'ለዲይ ማርግረት ሃል'፡ ቱምበርግ ነተን ተምሃሮ ብዛዕባ ሳይንስ፤ ምድማጽ ከምኡ'ውን ካልኦት ተመሳሳሊ ጉዳያት ተዛሪባቶም።

ገሊኦም ሰባት ንኽልቲኣን "ኣርካናት" ክብሉ ገሊጾመን። ንምርኻበን ድማ ደስ ዘብል ክበሉ ገሊጾሞ።

ተሓላቒት ከባቢያዊ ጥዕና፡ ቱምበርግ፡ ኣብ ሃገራ ሽወደን ምስ ውሑዳት ተመሃሮ ንምክንኻን ኣከባቢ ዝምልከት ናይ ጐስጓስ ሰልፊ ድሕሪ ምክያዳ፡ ኣብ ከተማታት ዓለም እናዞረት ተመሳሳሊ ጐስጓሳት ተካይድ ከምዘላ ይፍለጥ።

ንሳ ብተወፋይነታ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ መንእሰያት ብዛዕባ ሳዕቤን ክሊማዊ ለውጢ ክዛረቡን እጃሞም ከበርክቱን ኣነቓቂሓ እያ።

ማላላ፡ ጓል 11 ዓመት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ንቢቢሲ-ኡርዱ ብዛዕባ ህይወታ ብስቱር መዝገበ-ዕለታ ከተመሓላልፍ ጀሚራ።

ኣብ 2012 ድማ ኣብ ወፍሪ ትምህርቲ-ኣዋልድ ብተወፋይነት እናሰርሐት ብሓደ ወተሃደር ጣሊባን ብጥይት ኣብ ርእሳ ተወቒዓ። መውቃዕታ ከኣ ብኡ-ንብኡ ኣቓልቦ ዓለም ስሒቡ።

ኣብ 2014 ከኣ፡ ኣብ ዓለምና እታ ዝነኣሰት ተሸላሚት ናይ ኖቤል ሰላም ኮይና።

ተወሳኺ ዛንታ